Titos

መልእ. ቲቶስ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡ 2 - በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ 3 - ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡ 4 - ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።

5 - ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትርስዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ 6-8 - እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ። 9 - ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኸïምዕድ፡ ነቶም ተቓናቓንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከኣሎ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

10 - ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም። 11 - ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሀሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባበጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ። 12 - ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ፡ ሰብ ቅሬጥስ ኲሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ እኩያት ኣራዊት፡ ሀካያት ኣኽብዲ እዮም፡ በለ። 13፡14 - እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም። 15 - ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርዂሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን። 16 - ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ።




2ይ ምዕራፍ

1 - ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ 2 - እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ 3 - እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ 4፡5 - ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብማኤን ምዐደን። 6 - ነጒባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዐዶም። 7፡8 - ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ኽፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእስኻ ኣርኣያ ግበር። 9፡10 - ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብኸùሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዂሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዐዶም።

11 - ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዂሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ 12፡13 - እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና ኣሎ። 14 - የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።

15 - እዚ ብዂሉ ስልጣን ንገርን ንዐድን ግናሕን። ሓደ እኳ ኣይንዐቕካ።




3ይ ምዕራፍ

1 - ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ 2 - ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዂሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። 3 - ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፋናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። 4 - እቲ ናይ መድሓኒ፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ 5 - ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። 6፡7 - ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለአለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።

8 - እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። 9 - ናይ ዕሽነት ክርክርን ቊጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫው ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። 10፡11 - ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዐድካዮ፡ ኣርሕቆ።

12 - ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣርጤማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ። 13 - ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም። 14 - እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይምሀሩ።

15 - ምሳይ ዘለዉ ዂሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዜፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ በለልና።

ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>