Rome

መልእኽቲ ሮሜ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ 2 - ኣቐዲኡ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ፡ 3 - ብዛዕባ ወዱ፡ ብሳ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ 4 - ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ 5 - ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ 6 - ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ 7 - ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሀሉኹም።

8 - እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ ኣሎኹ። 9 - 12 - ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። 13 - ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ፡ ኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ - ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ - ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 14 - ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ። 15 - ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ ኣሎኹ። 16 - ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። 17 - ከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሀድ እዩ።

18 - ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። 19 - ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ 20 - ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። 21 - ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። 22 ፡ 23 - ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ።

24 ፡ 25 - ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ - ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ - ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም።

26 - ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። 27 - እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብእቱ ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።

28 - ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዝየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም 29 - ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ 30 - ምሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ 31 - ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ 32 - እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ እምበር፡ ዚገብርዋ ጥራይ ኣይኰኑን።




2ይ ምዕራፍ

1 - ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን ኣሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። 2 - ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 3 - እታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 4 - ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነትን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሊንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ 5 - ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣሎኻ። 6 - ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 7 - ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። 8 - ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። 9 - እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 10 - ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 11 - ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።

12 ፡ 13 - ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኺፍረዱ እዮም። 14 ፡ 15 - እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ፡ ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም። - 16 - በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዚፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።

17 - ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሀልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ 18 - ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈሌኻ፡ 19 - መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ 20 - ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። 21 - እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ 22 - ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ 23 ፡ 24 - ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዚብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ፧ 25 - ግዝረትሲ። ሕጊ እንተ ሐሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። 26 - እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዚደልዮ ስርዓት እንተ ሐለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቊጸረሉን እዩ፧ 27 - እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዚሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊዴልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ኪፈርደካ እዩ። 28 - ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። 29 - እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።




3ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧ 2 - ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ። 3 - ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧ 4 - ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኾብ። 5 - እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዜርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቊጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ ዓ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ። 6 - ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧ 7 - እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧ 8 - ከመይ ደኣ ኸምቲ ዚጸርፉናን ገሊኦምውን፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዚብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ።

9 - እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና። 10 - ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ 11 - ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። 12 - ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። 13 - ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። 14 - ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። 15 - ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። 16 - ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ 17 - ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። 18 - ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።

19- ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና። 20 - ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን።

21 - ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ። 22 - ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡ 23 - ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። 24 - በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። 25 - ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። 26 - ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።

27 - ምሕባን ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ። 28 - ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእንበት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል ኣሎና። 29 ፡ 30 - ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ። 31 - እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ ኣሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ ኣሎና።




4ይ ምዕራፍ

1 - እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ 2 - ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። 3 - እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። 4 - ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ። 5 - ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ። 6 - ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ እያ። 7 - እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። 8 - ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።

9 - እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል ኣሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ 10 - ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። 11 - ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። 12 - ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣስራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን።

13 - እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሀበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ 14 - እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። 15 - እቲ ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዜምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። 16 - ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ 17 - ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣሎኹ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ - ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዜተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዚጽውዖ ኣምላኽ፡ 18 - ከምቲ ብሁል ድምእ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዜብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። 19 - ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡ 20 - ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሀበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይ ተዋላወለን። 21 - ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። 22 - ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ።

23 ፡ 24 - እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቚጸረልና እዩ። 25- ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።




5ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሀልወና። 2 - ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና። 3 - ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። 4 - ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ 5 - በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድድማ ኣይተሕፍርን እያ። 6 - ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶምስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። 7 - ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ -እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ - 8 - ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። 9 - እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። 10 - ጽላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና፡ ካብ ተዐረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። 11 - ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።

12 - ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ።- 13 - ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። 14 - ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። 15 - ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዐዝዝ እዩ። 16 - እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። 17 - ሞት ብኣበጻ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። - 18 ፡ 19 - እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በትቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። 20 - ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዐዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዐዘዘ። 21 - ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።




6ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ 2 - ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ 3 - ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 4 - እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። 5 - ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። 6 ፡ 7 - እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። 8 ፡ 9 - እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። 10 - ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። 11 - ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ።

12 - እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። 13 ፡ 14 - ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።

15 - እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን። 16 - ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 ፡ 18 - ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሀብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ። 19 - ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን በዛራርባ ሰብ እትዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፌኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ። 20 - ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። 21 - መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ሎሚ እትሐፍሩሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ጊዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፧ 22 ፡ 23 - ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።




7ይ ምዕራፍ

- ወይስ ኣሕዋተየ፡ - ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ - ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 2 - ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። 3 - እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። 4 - ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። 5 - ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎና፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዐዪ ነበረ። 6 - ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስ፡ ብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእ፡ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።

7 - እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነ፡ እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። 8 - ሓጢኣት ብትእዛዝ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፡ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይ። 9 - ቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። 10 ፡ 11 - ሓጢኣት ምኽንያት ረኺበ ብትእዛዝ ኣስሐተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎ።

12 - እምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። 13 - እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒ፡ ያእ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ። 14 ፡ 15 - ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣየልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። 16 - ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር ኣሎኹ። 17 - ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 18 ፡ 19 - ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20 - ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ።

21 - እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። 22 - ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። 23 - ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ። 24 - ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ 25 - ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ።




8ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። 2 - እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣት ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡ 3 - ንሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ኪገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። 4 - ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። 5 - ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። 6 ፡ 7 - እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። 8 - እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። 9 - ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። 10 - ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላል ጽድቂ ህይወት እዩ። 11 - ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።

12 ፡ 13 - እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። 14 ፡ 15 - ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉስ ኣምላኽ እዮም። 16 - ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። 17 - ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።

18 ፡ 19 - ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። 20 - እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ 21 - እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኸïወጽእ እዩ። 22 - ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ 23 - ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና። 24 - ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። 25 - ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና።

26 - መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። 27 - እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። 28 - ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። 29 - ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። 30 - ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።

31 - እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ 32 - እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ 33 - ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧` ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። 34 - እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። 35 ፡ 36 - ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ 37 - 39 - ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።




9ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ኣነ ብዙሕ ጓህን ዝየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ። 3 - ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ። 4 - ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ። 5 - ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን።

6 - ግናኸ እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዂላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። 7 - ዘርኢ ብይስሃቅ ኪስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን። 8 - ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን። 9 - እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመት ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ኽመጽእ እዩ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ 10 - እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ። 11 - 13 - ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ።

14 - እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ የልቦን። 15 - ንሙሴ፡ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ እሞ፡ 16 - ስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዜልን ዚጐይን ኣይኰነን። 17 - እቲ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኺውረ፡ ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ፡ ይብሎ እዩ እሞ፡ 18 - እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ።

19 - ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዚገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞ፡ ክትብለኒ ኢኻ። 20 - ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ 21 - ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ 22 - ኣምላኽከ ቚጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቚጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡ 23 - እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም፡ 24 - ንኣናውን፡ ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር፡ ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና፡ 25 ፡ 26 - ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሀለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዚብሀሉ፡ ኪኸውን እዩ። 27 ፡ 28 - እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር። 29 - ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፡ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሐደገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና፡ ዝበሎ እዩ።

30 - ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ። 31 - እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣየጽሑን። 32 ፡ 33 - ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር። ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ተዐንቀፉ።




10ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ። 3 ፡ 4 - ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። 5 - ሙሴ ብዛዕባቲ ኻብ ሕጊ ዚመጽእ ጽድቂ፡ እቲ ዝገበሮ ሰብ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ እናበለ ይጽሕፍ እዩ እሞ፡ 6 - እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፡ ብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡ - እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፡ - 7 - ወይስ፡ናብ መዓሙቝኢሲ መን ኪወርድ እዩ፧ -እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ። - 8 - እንታይ ደኣ ይብል፧ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። 9 - 11 - እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 12 ፡ 13 - ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

14 - ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ኸመይ ኢሎምኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ 15 - ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧

16 - ግናከ ኢሳይያስውን፡ ጐይታይ፡ ንምስክርና መን ኣመኖ፧ ይብል እዩ እሞ፡ ኲላቶም ንወንጌል ኣይተኣዘዝዋን። 17 - እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

18 - ኣነ ግና፡ ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል ኣሎኹ ። ደሃዮም ናብ ኲሉ ምድሪ ወጸ፡ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ፡ ብሓቂ እባ ሰሚዖም። 19 - ኣነ ግና፡ እስራኤልከሞ ኣይፈለጠን ድዩ፧ እብል ኣሎኹ። ቅድም ሙሴ፡ ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ኣእምሮ ብዜብሉ ህዝቢውን ከዀርየኩም እየ፡ ይብል። 20 - ኢሳይያስውን ደፊሩ፡ ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፡ ንዘይሐተቱለይውን ተገለጽኩሎም፡ ይብል እዩ። 21 - ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዚብል።




11ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 -




12ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። 2 - እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

3 - ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ። 4 - ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ 5 - ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። 6 - ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። 7 - ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። 8 - መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሀብ፡ መራሒ እንተ ኸ÷ይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ።

9 - ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። 10 - ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። 11 - ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። 12 - ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዐገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። 13 - ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። 14 - ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። 15 - ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። 16 - ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። 17 - ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። 18 - ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። 19 - ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እምኦ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። 20 - ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። ኣዚ ብምጋካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። 21 - ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር።




13ይ ምዕራፍ

1 - ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። 2 - ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። 3 ፡ 4 - እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። 5 - ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። 6 - ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። 7 - እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ።

8 - እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሀሉኹም። 9 - እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። 10 - ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

11 - ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። 12 - ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። 13 - ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። 14 - ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዐል ትምኒት ኣይትግበርዎ።




14ይ ምዕራፍ

1 - ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። 2 - ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን ኣሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። 3 - ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዐቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። 4 - ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ ኣሞ፡ ደው ኪብል እዩ። 5 - እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። 6 - እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። 7 - ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። 8 - ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። 9 - ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ንእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። 10 ፡ 11 - ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ 12 - እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።

13 - ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀሪ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። 14 - ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ። 15 - ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሀየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። 16 ፡ 17 - መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። 18 - እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። 19 - እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ። 20 - ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። 21 - ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። 22 - ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሀሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። 23 - ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።




15ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። 2 ፡ 3 - ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። 4 - ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። 5 ፡ 6 - ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸትኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም።

7 ፡ 8 - ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። 9 - ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። 10 - ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ፡ ይብል። 11 - መሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብ፡ ንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል። 12 - ኢሳይያስ ድማ ደጊሙ፡ እቲ ሱር እሴይ ኪኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኺገብሩ እዮም፡ ይብል። 13 - ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም።

14 - ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምጺ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 15 ፡ 16 - ግናከ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። 17 - 19 - እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ - ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ - ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። 20 ፡ 21 - ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ኪርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ኬስተብህሉ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሀንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ ኣሎኹ።

22 - ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ። 23 - ሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዜብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩ፡ 24 - ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩም፡ ቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር ኣሎኸê። 25 ፡ 26 - ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። 27 - ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዜድሊ ኼገልግልዎም፡ ዚግባእ እዩ። 28 - እምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ። 29 - በቲ ናባኻትኩም ምምጻኤይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጻእኩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።

30 - 32 - ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዐርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። 33 - ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።




16ይ ምዕራፍ

1 - ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ። 2 - ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ።

3 - ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ። 4 - ንሳቶም ኣብ ክንዲ ይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግኖም ዘሎኹ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ። 5 - ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ። 6 - ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዐርት ማርያም ሰላም በሉ። 7 - ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፡ ቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ። 8 - ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ። 9 - ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ። 10 - ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሎስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ። 11 - ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ። 12 - ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ። 13 - ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ። 14 - ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ። 15 - ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ። 16 - ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላ ይብላኹም ኣለዋ።

17 ፡ 18 - ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ። 19 - ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ ኣሎኹ። ንሰናይ ብልህታት፡ ንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑ፡ እደሊ ኣሎኹ። 20 - ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ።

ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

21 - ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 - ኣነ ጠርጥዮስ፡ ንዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣሎኹ። 23 - እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዚቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም ኣለዉ።

24 ፡ 25 - ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡ 26 - ነቲ በይኑ ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 27 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን፡፡ ኣሜን፡፡


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>