Matheos

ወንጌል ማቴዎስ

1ይ ምዕራፍ

1 - መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም።

2 - ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፡ 3 - ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡ 4 - ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፡ 5 - ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ።

6 - እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ፡ 7 - ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፡ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡ 8 - ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡ 9 - ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡ 10 - ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡ 11 - እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ።

12 - ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡ 13 - ዘሩባቤል ንኣብዪድ ወለደ፡ ኣብዪድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፡ 14 - ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዪድ ወለደ፡ 15 - ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡ 16 - ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወልደ።

17 - እምብኣርሲ ዂሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ።

18 - ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19 - ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሐሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። 20 - ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። 21 - ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። 22 - እዚ ዂሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡ 23 - እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። 24 - ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ። 25 - በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።




2ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት - ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ? ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። 3 - ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኲላ የሩሳሌምውን ምስኡ። 4 - ንሱ ድማ ንዂሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ? ኢሉ ሐተቶም። 5 ፡ 6 - ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት - ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት - ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። 7 - ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። 8 - ናብ ቤት - ልሄም ድማ ሰደዶም፡ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ፡ በሎም። 9 - ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። 10 - ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ። 11 - ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። ሳጹኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጽ በረኸተ ሀብዎ። 12 - ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።

13 - ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ፡ በሎ። 14 - ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። 15 - እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ጸንሔ። 16 - ሽዑ ሄሮድስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዂሎም ሕጻናት ቤት - ልሄምን ኣብ ኲሉ ጐደቦታታ ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንብዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ። 17 ፡ 18 - ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተባህለ ተፈጸመ።

19 - ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እንሆ፡ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ 20 - እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ። 21 - ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ። 22 - ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ግና፡ ናብኡ ምኻድ ፈርሄ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። 23 - እቲ ብነብያት፡ ናዝሬታዊ ኺበሀል፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።




3ይ ምዕራፍ

1፡2- በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። 3- እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። 4- ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጒሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቚኡ ድማ ፈልቊ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ። 5- ሽዑ የሩሳሌም ኲላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ወጸት። 6- ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 7- ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረኣየ ግና በሎም፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም፧ 8- እምብኣርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። 9- ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10- ካብ ሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጒንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምብኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 11- ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጽወር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። 12- ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ ኣለዎ፡ ስርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።

13- ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። 14- ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ። 15- የሱስ ከኣ፡ ኲሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ። 16- የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ። 17- እንሆ ድማ፡ ብእኡ ዝሰመርዱ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።




4ይ ምዕራፍ

1- ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። 2- ኣርብዓ መዓልትን ኣብርዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። 3- እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። 4- የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኲሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5- ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ። 6- እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። 7- የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ ኣሎ፡ በሎ። 8- ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኲላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ፡ 9- ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዂሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። 10- ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። 11- ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ።

12- የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ፡ ናብ ገሊላ ድሕር በለ። 13- ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ናሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። 14- እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ 15- ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ 16- ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም።

17- የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግሰተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።

18- ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓውን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ። 19- የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። 20- ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዐብዎ። 21- ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም። 22- ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ።

23- የሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዂሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 24- ወሪኡውን ኣብ ኲላ ሶርያ ወጸ። ንዂሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለውዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጒዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25- ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።




5ይ ምዕራፍ

1- ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። 2- ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡ 3- ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 4- ዚጒህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 5- ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 6- ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 7- መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 8- ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 9- ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 10- ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 11- እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም። 12- ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።

13- ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይመቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። 14- ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። 15- መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዂሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። 16- ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኸêም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

17- ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽምዎ እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። 18- ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 19- እምበኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምኡውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። 20- ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም ኣሎኹ።

21- ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚማኩም ኣሎኹም። 22- ኣነ ግና፡ ንሓው ዚቚጥዖ ዘበለ ዂሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓው፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣት ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 23- እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ 24- ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። 25- ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። 26- እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።

27- ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 28- ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዂሉ ብልቡ ፈጹሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 29- የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። 30- የማነቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣቱ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። 31- ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። 32- ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዂሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ።

33- ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 34- ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ብሰማይ ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ 35- ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። 36- ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሐል። 37- ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።

38- ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 39- ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ። 40- ነቲ ኺማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። 41- ሓንቲ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። 42- ንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ።

43- ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 44፡45- ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግመኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። 46- ነቶም ዚፈትውኹምን እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ 47- ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ 48- እምበኣርከ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።




6ይ ምዕራፍ

1 - ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርእዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።

2 - እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንኣዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 3፡4 - ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።

5 - ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኸïርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 6 - ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማኦጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። 7 - ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። 8 - እምበኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም።

9 - ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። 10 - መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11 - ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። 12 - ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ ደልና ሕደገልና። 13 - ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን።

14 - ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። 15 - ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።

16 - ክትጾሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 17፡18 - ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

19-21 - መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።

22 - ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። 23 - ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።

24 - ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። 25 - ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 26 - ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ 27 - ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቚመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ 28 - ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፡ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። 29 - ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 30 - ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ 31 - እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። 32 - ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዂሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33 - ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ይውሰኸልኩም። 34 - ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።




7ይ ምዕራፍ

1፡2 - ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። 3 - ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ 4 - ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፧ እንሆ፡ ጒንዲ ኣብ ዓይንካ ኣሎ። 5 - ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጒንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።

6 - እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቊኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዪ፡ በእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም። 7፡8 - ዝለመነ ዂሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ፡ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። 9፡10 - ካባኻትኩምከ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ 11 - እምብኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም። 12 - እምብኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዂሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

13፡14 - እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፊሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።

15 - ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም። 16 - ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፧ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ 17 - ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። 18 - ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። 19 - ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20 - እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። 21 - ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዂሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን። 22 - በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። 23 - ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። 24 - ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዂሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። 25- ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደርእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። 26 - ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዂሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። 27 - ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

28፡29 - ኰነ ድማ፡ ይሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።




8ይ ምዕራፍ

1 - ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። 2 - እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሀኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ። 3 - ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ። 4 - የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ንኣታቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ።

5፡6 - ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጹኡ፡ ጐይታይ፡ ቈልዓይ መጽጒዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ ኣሎ፡ እናበለ ለመኖ። 7 - የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ። 8 - እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቅዕን እየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ። 9 - ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 10 - የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 11 - ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 12 - ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 13 - የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ኸኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ።

14 - የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ። 15 - ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ።

16፡17 - ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኲሎም ድማ ኣሕወዮም።

18 - የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ። 19 - ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ፡ በሎ። 20- የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ ኣለወን፡ ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ። 21 - ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 22 - የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምውታትሲ ምውታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ።

23 - ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ። 24 - እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። 25 - ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። 26 - ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ። 27 - እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዝሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ።

28 - ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ክልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ እቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ። 29 - እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፡ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ። 30 - ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። 31 - እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጽኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ። 32 - ንሱ ኸኣ፡ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኲምም በለ። 33- እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ዂሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዎምን ከኣ ኣውረዩ። 34 - እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።




9ይ ምዕራፍ

1 - ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ። 2 - እንሆ ኸኣ፡ መጸጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደየ፡ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። 3 - እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ ኣሎ፡ በሉ። 4 - የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ ኣሎኹም፧ 5 - ኣየናይ ይቐልል፧ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧ 6 - ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 7 - ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። 8- እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ።

9 - የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ።

10 - ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጡ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11 - ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውቲን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም። 12 - የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። 13 - ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም።

14 - ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጾሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። 15 - የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጒህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ። 16 - ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17 - ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ።

18 - እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጸ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ፡ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ። 19 - የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ። 20፡21 - እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። 22 - የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት። 23 - የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረኣየ፡ 24 - እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ። 25 - እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሐዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስኤት። 26 - ኣብ ኲላ እታ ሃገርውን ወሪኣ ወጸ።

27 - የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ክልተ ዕውራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ሰዐብዎ። 28 - ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕውራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ። 29- ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ። 30 - ኣዒንቶምውን ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም። 31 - ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኲላ እታ ሃገር ኣውረዩ። 32 - ንሳቶም ምስ ወጹ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሐደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ። 33 - እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ። 34 - ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም ኣሎ፡ በሉ።

35 - የሱስ ኣብ ኲሉ ኸተማታትን ኣብ ኲሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኲሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 36 - ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም። 37 - ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። 38 - ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።




10ይ ምዕራፍ

1 - ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም። 2 - ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ። 3 - ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡ 4 - ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን።

5፡6 - የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። 7 - ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ። 8 - ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምውታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ። 9 - ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ኣስራዚ ዀነ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። 10 - ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ።

11 - ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ። 12 - ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ። 13 - እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና፡ ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንት ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። 14 - እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። 15 - ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

16 - እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።17፡18 - ናብ ዋዕላ ኺወስዱኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፉኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቀቑ። 19 - ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20 - መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ።

21 - ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም። 22 - ስለ ስመይ ከኣ ኲሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። 23 - ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስርኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

24 - ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን። 25 - ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎም። 26 - እምበርኣርኸ፡ ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። 27 - ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28 - ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም። 29 - ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዩን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። 30 - ጸጒሪ ርእስኹም ኲለን እኳ ቚጹራት እየን። 31 - እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

32 - ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዂሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33 - ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።

34 - ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ኸምጽእ ኣይመጻእኩን። 35 - ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ 36 - ንሰብ እቶም ቤተሰብ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። 37 - እቲ ኻባይ ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38 - መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። 39 - እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ።

40 - ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበሎ። 41- ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42- ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወይ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።




11ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ።

2 - ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡ 3 - እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ። 4 - የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንብስ ንገርዎ፡ 5 - ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምውታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ። 6 - ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ።

7 - ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚልብ ሻምብቆዶ፧ 8 - እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ። 9 - ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 - እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ። 11 - ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማይ ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ። 12 - ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ ምንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ። 13 - ኲሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ። 14 - ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ። 15 - እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

16 - ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል። 17 - እሞ ዚብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኸòኹምን። 18 - ዮሃንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ። 19 - ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።

20 - ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነስሓ ኺነቕፈን ጀመረ፡ 21 - ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓመዂስቲ ተነጺፈን ምተነሰሓ ነይረን። 22 - ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልል፡ እብለክን ኣሎኹ። 23 - ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ። 24 - ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኸê።

25 - በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 26 - እወ፡ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። 27 - ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን። 28 - ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። 29፡30 - ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።




12ይ ምዕራፍ

1 - በታ ግዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ። 2 - ፈረሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ፡ በልዎ። 3 - ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ 4 - ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧ 5 - ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧ 6 - ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 7 - ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም። 8 - እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ።

9 - ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ። 10 - እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 11 - በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩም ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጒድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ እዩ፧ 12 - ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምብኣርሲ፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ። 13 - ሽዑ ነቲ ሰብኣይ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየት፡ ከምታ ኻልኣይታውን ኰነት። 14 - ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ። 15 - የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎ፡ ንዂሎምውን ኣሕወዮም። 16 - ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 17 - እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ 18 - እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። 19 - ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባባይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ። 20 - ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። 21 - ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።

22 - ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕውር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ። 23 - እቶም ህዝቢ ዂሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 24 - ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜብል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ። 25 - የሱስ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። 26 - ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፈላለየ፡ እታ መንግስቱ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 27 - ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። 28 - ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት። 29 - ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ።

30 - ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ። 31 - ስለዚ ንሱ ኲሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። 32 - ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ኦኣለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።

33 - ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። 34 - ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ 35 - እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። 36፡37 - ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዂነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኲሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ።

38 - ሽዕሪ ሓያሎ ኻብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም መለሱ። 39 - ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። 40 - ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። 41 - ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዂንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። 42 - ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኲንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። 43 - ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። 44 - ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ። 45 - ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።

46 - ገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ። 47 - ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ በሎ። 48 - ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ እሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ። 49፡50 - ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዂሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።




13ይ ምዕራፍ

1 - በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2- ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። 3- ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡

እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። 4 - ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። 5 - ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። 6 - ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ፡ ነቐጸ። 7 - ገሊኡ ኣብ እሾዂ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን። 8 - ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ። 9 - እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

10 - እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘሎኻ፧ በልዎ። 11 - መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12 - ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። 13 - እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፡ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 14፡15 - ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸአም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 16፡17 - ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።

18 - እምብኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። 19 - ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዂሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። 20 - እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። 21 - ንሽዑ ጥረኣይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22 - እቲ ኣብ እሾዂ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ። 23 - እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ምእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ።

24 - ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። 25 - እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጻላኢኡ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26 - ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። 27 - ነቲ በዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። 28 - ንሱ ኸኣ፡ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። 29 - ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። 30 - ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ።

31 - ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። 32 - ንሳ ኸኣ ካብ ኲሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘለት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨነፍራ ኽሳዕ ዚዐርፋ፡ ካብ ኲሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን።

33 - ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ ትመስል።

34፡35 - የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።

36 - ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጒመልና፡ በልዎ። 37 - መሉሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። 38 - እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። 39 - እቲ ዝዘርኦም ጻላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። 40 - ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 41- ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዂሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ 42- ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 43 - ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጻሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

44 - ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዂሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ።

45 - ድማ መንግስተ ሰማያት ጽቡቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። 46 - ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዂሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ።

47 - ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኲሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። 48 - ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ። 49 - ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ 50 - ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 51 - ነዚ ዂሉስ ኣሰተውዒልኩምዎዶ ኣሎኹም፧

ንሳቶም ድማ፡ እወ፡ በልዎ። 52 - ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዂሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም።

53 - ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤ፡ ካብኣ ነቐለ። 54-56 - ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ድይኰኑን፧ ኣሓቱ ዂላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዂሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም።

57 - ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም። 58- ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።




14ይ ምዕራፍ

1 - በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ የሱስ ሰምዔ። 2 - ንገላውኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምውታት ተንሲኡ ኣሎ፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በሎም። 3፡4 - ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓው፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። 5 - ኪቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም። 6 - ሄሮድስ እተወልዳል መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ። 7 - ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። 8 - ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ። 9 - እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪህብዋ ኣዘዘ። 10 - ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። 11 - እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12 - ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ።

13 - የሱስ እዚ ሰምዔ፡ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ። 14 - የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም፡ ሕሙማቶምውን ኣሕወየ።

15 - ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰብ ናብ ዓድታት ኣትዮም፡ ንርእሶም እንጌራ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 16 - የሱስ ግና፡ ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። 17 - ንሳቶም ከኣ፡ ኣብዚ ብዘይ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ግለ የልቦን፡ በልዎ። 18 - ንሱ ግና፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ በለ። 19 - እቶም ሰብውን ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ገጹ ቚሊሕ በለ፡ ባሪኹ ቈሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ሰብ ሀብዎም። 20 - ኲሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተዉ ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። 21 - እቶም ዝበልዑ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ።

22 - ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎ፡ ብግዲ በሎም። 23 - ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱ፡ ኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። 24 - እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚአ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። 25 - የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። 26 - እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱ፡ ፈሪሆም ከኣ ጨርሑ። 27 - ግናኸ የሱስ ብኡብኡ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 28 - ጴጥሮስ መሊሱ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንክሳ፡ ብማየ ማይ ናባኻ ኽመጽእ ኣዝዘኒ፡ በሎ። 29 - ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ። 30 - ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሄ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። 31 - ሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጒዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ። 32 - ናብ ጃልባ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ንፋስ ዝግ በለ። 33 - እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣ፡ ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ ሰገዱሉ።

34 - ተሳጊሮም ከኣ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጹ። 35 - እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፡ ኣብ ጐደቦኦም ናብ ዘለዋ ዂለን ዓድታት ለኣኹ፡ ኲሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ። 36 - ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ሐወየ።




15ይ ምዕራፍ

1 - ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ 2 - ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ ኣለዉ፧ በልዎ። 3 - ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም፧ 4 - ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ዀን ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት፡ በለ። 5 - ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀሙሉ መባእ ጌረዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። 6 - ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። 7 - ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 8 - እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። 9 - ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ። 10 - ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ፡ ኣስተውዕሉ፡ 11 - ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚኣቱስ ንሰብ ኣየርክሶን። 12 - ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። 13 - ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዂሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። 14 - ሕደግዎም፡ ዕውራትን መራሕቲ ዕውራትን እዮም። ንዕውርስ ዕውር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጒድጓድ ይወድቁ። 15 - ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጒመልና፡ ኢሉ መለሰሉ። 16 - የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧ 17 - ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈጡን ኢኹም፧ 18 - እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 19 - ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ 20 - እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።

21 - የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። 22 - እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። 23 - ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ደድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። 24 - ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። 25 - ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። 26 - ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። 27 - ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። 28 - ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት።

29 - የሱስ ካብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ። 30 - ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። 31 - እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራጻት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕውራትውን ኪርእዩ ርኣዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።

32 - የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዚበልዖዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን። 33 - ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ። 34 - የሱስ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ። 35 - ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። 36 - ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሀቦም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም። 37 - ኲሎም በሊዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓአ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። 38 - እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑ፡ ኣርባዐ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። 39 - ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ።




16ይ ምዕራፍ

1 - ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። 2 - ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። 3 - ምስ ወግሔ ፡ እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን? 4 - ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትምእርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዎም ከኣ ኸደ።

5 - ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረሰዑ። 6 - የሱስ ድማ ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፋሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተአርነቡን፡ በሎም። 7 - ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ። 8 - የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልብኹም ትሐስቡ ? 9 - እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን ? 10 - ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም ? 11 - እቲ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ ? 12 - ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈረሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም ፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ።

13 - የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ምስ መጸ ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ? ኢሉ ሐተቶም። 14 - ንሳቶም ከኣ ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። 15 - ንሱ ኸኣ ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም ? በሎም። 16 - ስምኦን ጴጥሮስ ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ፡ ኢሉ መለሰሉ። 17 - የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። 18 - ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። 19 - መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 20 - ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።

21 - ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጻሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ፡ ኺቕተል ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ። ኪገልጸሎም ጀመረ። 22 - ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ድኣ ጐይታይ ፡እዝስ ኣይብጻሕካ ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። 23 - የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ፤ካባይ ርሓቕ ፡ ሰይጣን ፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐሰብን ኢኻ እሞ ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ።

24 ፡ 25 - ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም ፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። 26 - ንሰብከ ዂላ ዓለም ረቢሑስ ፡ ነፍሱ እንተ እጥፍኤ ፡ እንታይ ይጠቅሞ ፡ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ? 27 - ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ። 28 - ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኪመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።




17ይ ምዕራፍ

1 - ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። 2 - ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ ። 3 - እንሆ ኸኣ ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ። 4 - ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ ። 5 - ገና ኺዛረብ ከሎ ፡ እንሆ ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም ። እንሆ ኸኣ ፡ ካብቲ ደበና ፡ ዝፈትዎ ወደይ ፡ ብእኡ ዝስመርኩ እዚ እዩ ፡ ንእኡ ስምዕዎ። ዚብል ድምጺ መጸ። 6 - ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ ። 7 - የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። 8 - ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።

9 - ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳብ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ ፡ ኢሉ ኣዘዞም ። 10 - ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ፤ ንምንታይ ድኣ ጸሓፍቲ ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ ፡ ዚብሉ ፡ ኢሎም ሐተትዎ ። 11 - ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም ፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ ፡ ንዂሉ ድማ የቕንዕ ። 12 - ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ፤ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ ፡ ከም ዝድለዩ ገበርዎ እምበር ፡ ኣየለለይዎን ። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም ። 13 - ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ።

14 - ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢዱ ነስኣሉ። 15 - በሎውን ፤ጐይታይ ፡ ንወደይ ምሐረለይ ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ ፡ 16 - ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ። 17 - የሱስ ግና መለሰ በለውን ፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ ፡ ክሳዕ መኣስ ምሳኻትኪም ክነብር እዩ ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ። 18 - የሱስ ገንሖ ፡እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ስዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። 19 - ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም ፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና ? በልዎ ። 20 - የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጐደለት ። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም ፡ ነዚ ኸረን ድማ ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ ፡ ትብልዎ ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚስኣነኩምውን የልቦን ። 21 - እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም።

22 - ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ ኣለዎ። 23 - ኪቐትልዎ፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም ። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ።

24 - ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ ፡ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም ፤ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብርዶ ኣይፈድን እዩ ? በልዎ። 25 - ንሱ ፤ይፈዲባ ፡ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ ፤ ስምኦን ፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ ? ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት ፡ እንታይ ይመስለካ ? በሎ ። 26 - ጴጥሮስ ፤ ካብ ካልኦትባ ፡ በለ። የሱስ ከኣ ደቆምስኸ ናጻ እዮም። 27 - ከይንዕንቅፎም ግና ፡ ናብ ባሕሪ ኬድካ መቓጥን ደርቢ ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም ፡ በሎ።




18ይ ምዕራፍ

1 - በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግሰተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ ? እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ ። 2 - ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። 3 - በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም ፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4 - እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ 5 - ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል ፡ ንኣይ ይቕበል ። 6 - ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናኣሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቚ ባሕሪ ኪጥሕል ይሔሾ። 7 - መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ ። 8 - ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ካብ እትድርበስ ፡ ቊሩጽ ወይስ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 9 - ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 10 - ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11 - ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡ 12 - እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን ? 13 - እንተ ረኸባ ድማ ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14 - ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኪጠፍእ ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።

15 - ሓውካ እንተ በደለካ ፡ ኪድ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ ። እንተ ሰምዓካ ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ ። 16 - እንተ ዘይሰማዓካ ግና ፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኲሉ ነገር ኪጸንዕ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17 - ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ ፡ ማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና ፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። 18 - ኣብ ምድሪ ዝአሰርኩምዎ ዂሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዂሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 19 ፡ 20 - ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሳማምዑ ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

21 - ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ ጐይታይ ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ ? ክሳዕ ሾብዓተዶ ? በሎ ። 22 - የሱስ በሎ ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር። ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን ። 23 - ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጻባጸብ ዝድለየ ንጉስ ትመስል። 24 - ኪጻባጸብ ምስ ጀመረ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። 25 - ዚፈድዮ ምስ ስአነ ግና ፡ እቲ ጐይትኡ ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዂሉን ኪሸየጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። 26 - ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ ፡ ጐይታይ ፡ ተዐገሰኒ ኲሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ ፡ ኢሉ ሰገደሉ ። 27 - ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን ፡ ዕድኡውን ሐደገሉ ። 28 - እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና ፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ ። ሒዙ ኸኣ ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ ፡ ኢሉ ሐነቆ። 29 - ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ ፡ ተዐገሰኒ ፡ ኲሉ ኽፈድየካ እየ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ ። 30 - ንሱ ግና አበዮ ፡ ከይዱ ድማ ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ ፡ ኣእሰሮ። 31 - እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። 32 - ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። 33 - ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን ? በሎ። 34 - ጐይታኡ ዀርዩ ፡ ኲሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ ፡ ንዜጽብብሉ ኣሕሊፉ ሀቦ ። 35 - ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓው ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ ፡ እቲ ሰማይዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብርኩም እዩ።




19ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ ። ካብ ገሊላ ነቒሉ ፡ ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። 2 - ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። 3 - ፈሪሳውያን ድማ ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ፡ ተፈቒዱሉ እዩ ? ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። 4 - መሊሱ በሎም፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ገጠሮም ፡ 5 - ድማ ፡ ምእንቲዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ? 6 - ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ፡ ክልተ ኣይኰኑን ። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ፡ ሰብ ኣይፍለዮ ። 7 - ንሳቶም ፡ ስለምንታይ ድኣ ሙሴ ። ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም ፡ ኪፈትሕዋ አዘዘ ? በልዎ ። 8 - ንሱ ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን ፡ በሎም።

9- ኣነ ግና ፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ ፡እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 - እቶም ደቀ መዛሙርቱ ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን ፡ በልዎ ። 11 - ንሱ ግና በሎም ፡እዚ ነገርዚ ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዂሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን ። 12 - ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ አለዉ ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ።

13 - ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም ፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ ፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም ። 14 - የሱስ ግና ፤ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ፡ ሕደጉ ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም ፡ በለ። 15 - ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ።

16 - እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ ፡ ዎ መምህር ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር ? በለ ። 17 - ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ ኣሎኻ ? እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና ፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ ። 18 - ንሱ ፡ ኣየኖት ? በሎ። የሱስ ከኣ ፡ እኒ ኣይትቕተል ፡ ኣይትዘሙ ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር። 19 - ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ ፡ በሎ ። 20 - እቲ ጐበዝ ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ ኣሎኹ ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ ? በሎ። 21 - የሱስ ከኣ ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ ፡ ኪድ ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ፡ ንዓ ሰዐበኒ ፡ በሎ ። 22 - እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ዘረባኡ ምስ ሰምዔ ፡ እናጐሀየ ኸደ።

23 - የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። 24 - ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። 25 - እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ ፡ ንመን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ ? እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ ። 26 - የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከአሎን ፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ ፡ በሎም ። 27 - ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ፡ እንሆ ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና? በሎ። 28 - የሱስ በሎም ፤ ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 29 - ስለ ስመይ ኢሉ ፡ ኣባይቲ ዀነ ፡ ወይስ ኣሕዋት ፡ ወይ ኣሓት ፡ ወይ ኣቦ ፡ ወይ ኣደ ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ውሉድ ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ ናይ ዘልኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። 30 - ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት ፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።




20ይ ምዕራፍ

1 - መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪሳማማዕ፡ ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። 2 - ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዔ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። 3 - ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ከኣ ኦዮ ዜብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ። 4 - ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዚግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ። 5 - ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። 6 - ድማ ብመበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፡ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። 7 - ንሳቶም፡ ውዕለት ዜውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዚግባእ ከኣ ትወስዱ፡ በሎም። 8 - ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት፡ ውዕለቶም ሀቦም፡ በሎ። 9 - እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። 10 - እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዚበዝሕ ዚቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። 11 - ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፡ 12 - ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። 13 - ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሳማማዕካንን፧ 14 - ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። 15 - ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧ 16 - ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ፡ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።

17 - የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ናብ መገዲ ወሰዶም በሎም ድማ፡ 18 - እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም። 19 - ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኦም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ።

20 - ሽዑ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ድቃ መጸት፡ ተደፊኣ ድማ ካብኡ ገለ ለመነት። 21 - ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትደልዪ፧ በላ። ንሳ፡ እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል፡ በለቶ። 22 - የሱስ ግና መሊሱ፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧ በለ። ንሳቶም፡ ንኽእል፡ በልዎ። 23 - ንሱ ኸኣ፡ ጽዋኤይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። 24 - እቶም ዓሰርተ እዚ ሰሚዖም፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተናደዱ። 25 - የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 26 - ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። 27 - እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሉ ኸኣ፡ ባርያኻትኩም ይኹን። 28 - ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።

29 - ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብዙሓት ህዝቢ ሰዐብዎ። 30 - እንሆ ድማ፡ ክልተ ዕውራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ይሐልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ጨርሑ። 31 - እቶም ህዝቢ ግና፡ ስቕ በሉ፡ ኢሎም ገንሕዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ ኢሎም ኣዝዮም ጨርሑ። 32 - የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸዊዑ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። 33 - ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ፡ በልዎ። 34 - የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፡ ብኡብኡ ረኣዩ ሰዐብዎ ድማ።




21ይ ምዕራፍ

1 - ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት-ፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2 - በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም። 3 - ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ። ብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ። 4፡5 - እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዚብል ኪፍጸም እዚ ዂሉ ዀነ። 6 - ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። 7 - ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሔ። 8 - ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። 9 - ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 10 - ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት። 11 - እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ።

12 - የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዂሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 13 - ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም። 14 - ዕውራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 15 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ፡ 16 - እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። 17 - ሐዲግዎም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ሐደረ።

18 - ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ። 19 - ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት። 20 - ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸት፧ ኢሎም ተገረሙ። 21፡22 - የሱስ መሉስ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዚኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዂሉ ኸም እትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 23 - ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኺምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ በልዎ። 24 - የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 25 - ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። 26 - ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኲሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ። 27 - ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም።

28 - ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ። 29 - ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ። 30 - ናብ ኻልአይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። 31 - ካብ ክልቲኦም ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝግበረ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናባ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከ ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 32- ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውት ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩን።

33 - ካልእ ምስላ ሰምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ። 34 - ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮቱ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ። 35 - እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም። 36 - ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም። 37 - መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ። 38 - እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ፡ ተባሃሀሉ። 39 - ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። 40- እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓየይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧ 41 - ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ። 42 - የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ 43 - ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 44 - ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ። 45 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ። 46 - ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ።




22ይ ምዕራፍ

1 - የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፡ 2 - መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። 3 - ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። 4 - ከም ብሓድሽ ድማ ነቶ ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ስባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኣይ ባሮት ለኣኸ። 5 - ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ። 6 - እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምውን። 7 - እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ። 8 - ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡ 9 - ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም። 10 - እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ። 11 - እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረአየ እሞ፡ 12 - ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13 - ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላውኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃ ኣስናንን ይኸውን። 14 - ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።

15 - ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ። 16 - ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ። 17 - እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። 18 - የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። 19 - ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። 20 - ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በልም። 21 - ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ አልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። 22 - እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሐዲጎምዎ ድማ ሐለፉ።

23 - በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዚብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። 24 - ከምዚ ኢሎም ድማ ሐተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሐደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓው ኸኣ ዘርኢ የቚመሉ፡ በለ።። 25 - ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓው ሐደጋ። 26 - ከምኡ ኸኣ እቲ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ። 27 - ድሕሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28 - ኲሎም ኣእተዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 29 - የሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣሎኹም። 30 - ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን። 31፡32 - ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምውታት ኣይኰነን። 33- እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ።

34 - ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውና ከም ዝዐጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ። 35፡36 - ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ኺዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሐተቶ። 37 - የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ 38 - እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። 39 - እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። 40 - ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡ በሎ።

41 - ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡ 42 - ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለካ፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ወዲ ዳዊት፡ በልዎ። 43፡44 - ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧ 45 - እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም። 46 - ሓደ እኳ ቓል ኪመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓደ እኳ ኺሐቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።




23ይ ምዕራፍ

1 - ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡ 2 - ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። 3 - ስለዚ ዚብሉኹም ኲሉ ግበሩን ሐልውን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ። 4 - ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን። 5 - ኲሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክሳውንቶም የንውሑ። 6 - ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። 7 - ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ። 8 - ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉን፡ ንስኻትኩምሲ ዂልኹም ኣሕዋት ኢኹም። 9 - ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። 10 - መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። 11 - እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። 12- ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ።

13 - ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትዉዋን፡ ነቶም ኪኣትዉዋ ዚደልዩ ድማ ኪኣትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።

14 - ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ ኣሎኹም። ስለዚ ዝገደደ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።

15 - ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።

16 - ኣቱም ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕውራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። 17 - ኣቱም ደናቚርትን ዕውራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ 18 - ብመሰውኢ ዚምሕል ድሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቚርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። 19 - ኣቱም ደናቚርትን ዕውራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቊርባንዶ ወይስ እቲ ንቚርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ 20 - እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዂሉን ይምሕል ኣሎ። 21 - እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል ኣሎ። 22 - እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል።

23 - ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ። 24 - ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕውራት መራሕቲ።

25 - ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። 26 - ኣታ ዕውር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ።

27 - ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምውታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 28 - ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ።

29 - ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 30 - ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸምበርናን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 31 - እምብኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣሎኹም። 32 - ንስኻትኩምውን መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ። 33 - ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ 34 - ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም ኣሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጒዎም ኣሎኹም። 35 - እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳኦ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዂሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። 36 - እዚ ዂሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

37 - የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። 38፡39 - ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ።




24ይ ምዕራፍ

1 - የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። 2 - ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዂሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

3 - ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። 4 - የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 5 - ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንቡዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 6 - ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዂሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 7 - ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። 8 - እዚ ዂሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9 - ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 10 - ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። 11 - ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 12 - ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13 - እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። 14 - እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።

15 - እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - 16 - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ። 17 - ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። 18 - ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19 - በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። 20፡21 - ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። 22 - እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። 23 - ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። 24 - ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። 25 - እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። 26 - እንሆ፡ ኣብ በረኻ ኣሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ፡ ኣብ ቤት ኣሎ፡ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ። 27 - በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 28 - ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም።

29 - ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጻሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቅጥቅጡ እዮም። 30 - ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኲሎ ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። 31 - ንመላእክቲ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም።

32 - ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33 - ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዂሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። 34 - እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 35 - ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። 36 - ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መለእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። 37 - ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 38 - ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ 39 - ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዂሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 40 - ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። 41 - ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። 42 - ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 43 - ግናኸ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት ነኣ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። 44 - ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። 45- እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣሰተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ 46 - ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። 47 - ኣብ ኲሉ ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48 - እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ፡ 49 - ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። 50 - ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። 51 - ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።




25ይ ምዕራፍ

1 - ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2 - ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሸተ ግና ለባማት እየን። 3 - እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን። 4 - እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ። 5 - መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኲለን ትኽስ በላ ደቀሳውን። 6 - ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። 7 - ሽዑ እተን ደናግል ኲለን ተንስኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። 8 - እተን ዓያሱ ንተን ለባማት፡ ቀነዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን። 9 - እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን። 10 - ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጽወ። 11 - ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። 12 - ንሱ ግና መሉሱ፡ ብሓቂ እብለክን ኣሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። 13 - እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።

14 - መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። 15 - ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። 16 - እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኡ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። 17 - እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። 18 - እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዂዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። 19 - ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጻባጸበ። 20 - እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። 21 - እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22 - እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23 - ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። 24 - እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ 25 - ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26 - እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸ ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። 27 - እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ኽትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28 - ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። 29 - ንዘለዎ ዘበለ ዂሉ ይውሀቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30 - ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

31 - ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኲሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። 32 - ኲሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። 33 - ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጻጋሙ የቑመን። 34 - ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። 35 - ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። 36 - ዐሪቐ፡ ከአንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። 37 - ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ 38 - መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናኻ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕክሳ ከደንናካ፧ 39 - መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ይብሉ። 40 - እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ብሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 41 - ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። 42 - ጠምየ ነበርኩ እሞ ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። 43 - ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። 44 - ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልሱሉ። 45 - ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 46 - እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።




26ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ዂሉ ምስ ወድኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ 2 - ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪሰቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። 3 - ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዚብሀል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ። 4 - ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ድማ ተማኸሩ። 5 - ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።

6 - የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡ 7 - ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መአዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 8 - ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ 9 - ንብዙሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ። 10 - የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፡ 11 - ድኻታትሲ ዂሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኲሉ ግዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። 12 - እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ። 13 - እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኽም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

14 - ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሀል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይሁ፡ 15 - ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሌ ኽህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ። 16 - ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

17 - በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 18 - ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኺዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኸፋስግ፡ ይልብ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 19 - እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ የሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ኣስጋውን ኣዳለዉ። 20 - ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 21 - ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸምዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 22 - ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሀዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ። 23 - መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ። 24 - ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ። 25 - እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ፡ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ።

26 - ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሩሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። 27፡28 - ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዂልኹም ስተዩ። 29 - ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 30 - መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።

31 - ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 32 - ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 33 - ጴጥሮስ ከኣ፡ ኲሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 34 - የሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 35 - ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኲላቶም ከምኡ በሉ።

36 - ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 37 - ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጒህን ኪትክዝን ጀመረ። 38 - ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጒህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም። 39 - ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። 40 - ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ 41 - ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ። 42 - ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኸïሐልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ። 43 - ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። 44 - ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ። 45 - ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ። 46 - ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም።

47 - እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ። 48 - እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ ኢ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ኢሉ ምልክት ሀቦም። 49 - ብኡብኡ ናብ ይሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ። 50 - የሱስ፡ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሐዝዎ። 51 - እንሆ፡ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፊ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ። 52 - ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዂሎ ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። 53 - ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእክቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 54 - ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧ 55 - ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጽእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሐዝኩምንን። 56 - እዚ ዂሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዂሎም ሓዲጎምዎ ሀደሙ።

57 - እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። 58 - ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳኦ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን፡ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ። 59 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን። 60 - ብዙሓት ሐስዮም ዚምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን። 61 - ኣብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጻ እኽእል እየ፡ በለ። 62 - እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ስቕ በለ። 63 - እቲ ለቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 64 - የሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ። 65፡66 - ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፊ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ። 67 - ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡ 68 - ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ።

69 - ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት። 70 - ንሱ ኣብ ቅድሚ ዂሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሐደ። 71 - ዓንቀጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም። 72 - ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣየልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሐደ መሐለውን። 73 - ቅሩብ ምስ ጸንሔ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ ኣሎ፡ በልዎ። 74 - ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። 75 - ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ።




27ይ ምዕራፍ

1 - ምስ ወግሔ፡ ኲሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ትማኸሩ። 2 - ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ።

3፡4 - ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሓዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕልፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ በልዎ። 5 - ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ። 6 - ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ። 7 - ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ። 8 - ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ። 9፡10 - እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ፡ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ።

11 - የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ በሎ። 12 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን። 13 - ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧ በሎ። 14 - እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን። 15 - እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም። 16 - ሽዑ በርባን ዚብሀል ውሩይ ተኣሲሩ ነበረ። 17፡18 - ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም።

19 - ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሉኡ መከራ ረኺቡኒ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ። 20 - እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም። 21 - እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ከትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም። 22 - ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምብኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኲሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ። 23 - እቲ ሹም፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ። 24 - ጲላጦስ ዘይምዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ። 25 - ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። 26 - ሽዑ ንባርባን ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም።

27 - ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ። 28 - ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ። 29 - ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጹሉ። 30 - ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ። 31 - ምስ ኣላገጹሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኡ ኸደንዎ፡ ኪሰቕልዎውን ወሰድዎ።

32 - ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ። 33 - ጐልጎልታ ኣብ እትብሀል ቦታ፡ ትርጓሜኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ። 34 - ምስ ሓሞት እተሖሰ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ። 35 - ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ። 36 - ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ። 37 - እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ።

38 - ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ። 39፡40 - ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 41 - ከምኡ ድማ ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ምስ ጸሓትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም፡ 42 - ንኻልኦት ኣድሐኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከኣለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን። 43 - ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ። 44 - እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።

45 - ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ። 46 - ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ። 47 - ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። 48 - ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 49 - ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ። 50 - የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። 51 - እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሉ ኽሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። 52 - መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ። 53 - ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንቡዙሓት ከኣ ተራእዩ። 54 - እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ። 55 - ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን። 56 - ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ኣደ ዘብዴዎስውን ነበራ።

57 - ምስ መሰየ ድማ። ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ። 58 - ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ። 59 - የሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ። 60 - ንርእሹ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ። 61 - ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።

62 - ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም። 63 - ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና። 64 - ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ። 65 - ጲላጦስ፡ ሓለውቲ እነውልኩም፡ ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉ፡ በሎም። 66 - ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ።




28ይ ምዕራፍ

1 - ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ። 2 - እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ። 3 - ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። 4 - እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ። 5 - እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። 6 - ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ። 7 - ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምውታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኽን። 8 - ካብቲ ምቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ። 9 - ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነአን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። 10 - ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ንሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን።

11 - ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዂሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12 - ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ከኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡ 13 - ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ። 14 - እዚ ኣብቲ ሹ እንተ ተሰምዔ፡ ንሓና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም። 15 - እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምቲ ዝመሀርዎም ገበሩ። ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ።

16 - እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ። 17 - ምስ ረኣይዎ፡ ሰገዱሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። 18 - የሱ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኲሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ። 19፡20 - ስለዚ ኺዱ ንዂሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>