Markos

ወንጌል ማርቆስ

1ይ ምዕራፍ

1 - መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ።

2 - ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ 3 - ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ 4 - ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ። 5 - ብዘላ ሃገር ይሁዳ ኲሎም ሰብ የሩሳሌም ናብኡ ይወጹ፡ ብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 6 - ክዳን ዮሃብስ ከኣ ጸጒሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቚኡውን ፈልቊ ነበረ፡ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ። 7፡8 - ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመነስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ።

9 - በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። 10 - ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኸïወርድ ከሎ ረኣየ። 11 - ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።

12 - መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። 13 - ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ።

14፡15 - ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ።

16 - ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስን ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም። 17 - የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። 18 - ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ። 19 - ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም። 20 - ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዐብዎ።

21 - ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤተ ጸሎት ኣትዩ መሀረ። 22 - ከምቶም ጸሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ። 23 - ኣብ ቤት ጸሎቶም ዳ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡ 24 - ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ ኦ እንታይ ኣሎና፡ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 25 - የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። 26 - እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 27 - ኲሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፡ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱ። 28 - ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ።

29 - ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦምም እንድርያስን ኣተወ። 30 - ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። 31 - ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም።

32 - ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሐደርዎም ኲሎም ናብኡ ኣምጽኡ። 33 - ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት። 34 - ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽኤ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።

35 - ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ። 36 - ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ። 37 - ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኲሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ። 38 - ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም። 39 - ኣብ ቤት ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናውጽኤ ኣብ ኲላ ሃገር ዞረ።

40 - ሓደ ለምጻም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ። 41 - የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። 42 - እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄኸኣ። 43 - የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። 44 - ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረ። የሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኲሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን።




2ይ ምዕራፍ

1 - ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ ኦ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። 2 - ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ዳ ይነግሮም ነበረ። 3 - ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጒዕ ናብኡ ኣምጽኡ። 4 - ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጸጒዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። 5 - የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጒዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። 6፡7 - ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ ኣሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ። 8 - የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ ኣሎኹም፧ 9 - ኣየናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጒዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ 10 - ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽተልጡ፡ - ነቲ መጻጒዕ፡ 11 - ንኣኻ እብለካ ኣሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 12 - ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ወጸ፡ ኲሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።

13 - ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ። 14 - ኪሐልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። 15 - ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዐብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 16 - እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕን ዚሰትን፧ በልዎም። 17 - የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር፡ ንጻድቓን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም።

18 - ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧ በልዎ። 19 - የሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ፡ ኪጾሙ ኣይዀነሎምን እዩ። 20 - መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጾሙ እዮም። 21 - ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገብ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዚኸውን። 22 - ንሓድሽ ወይኒ ድማ፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር፡ ንሓድሽ አውይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ።

23 - ኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ኺሐልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪምንቊሱ ጀመሩ። 24 - ፈሪሳውያን ድማ፡ ርኤ፡ ስለምንታይ ብሰነት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ፧ በሎው። 25፡26 - ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩን፧ በሎም። 27 - ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። 28 - እምብኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።




3ይ ምዕራፍ

1 - ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 2 - ምእንቲ ኪኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ። 3 - ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። 4 - ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታል ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። 5 - በቲ ድርቅና ልቦም ጒህዩ፡ ብዂራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት። 6 - ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮ ከም ዜጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተምኣኸሩ።

7 - የሱ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። 8 - ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ። 9 - ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼጽንሑሉ ነገሮም። 10 - ንቡዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ምእንቲ ኺርንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ። 11 - ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ። 12 - ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም።

13 - ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ። 14 - ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡ 15 - ሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦም። 16 - ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡ 17 - ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጽኣሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ። 18 - እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡ 19 - እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ።

20 - ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዚስኡ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። 21 - ኣዝማኡ ምስ ሰምዑ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ። 22 - ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤል-ዜብል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 23 - የሱስ ጸውዎም፡ ብስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ኬውጽኦ ይዀነሉ፧ 24 - መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 25 - ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። 26 - ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን። 27 - ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘብ ኺብዝብዝ ዚኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ። 28 - ንደቂ ሰብ ኲሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ። 29 - እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢኣቱ ንዘለኣለም ይዂንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 30- ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም።

31 - ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ። 32 - ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልዩኻውን ኣለዉ፡ በልዎ። 33 - መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም። 34 - ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይን እነዉ። 35 - ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ ዂሉ እዩ፡ በሎም።




4ይ ምዕራፍ

1 - ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኺምህር ጀመረ። ኣብቲ ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። 2 - ብብዙሕ ምስላታት ድማ መሀሮም፡ በቲ ምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ 3 - ስምዑ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። 4 - ኰነ ኸኣ፡ ኪዘርእ ከሎ፡ ገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። 5 - ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ዜብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ። 6 - ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉውን ነቐጸ። 7 - ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዂ ከኣ ዐብዩ ሐነቖ ፍረውን ኣይፈረየን። 8 - ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ዚበቊልን ዚዐብን ፍረ ኸኣ ሀበ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ። 9 - ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በለ።

10 - ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምስላ ሐተትዎ። 11 - ንሱ ኸኣ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጻኢ ዘለዉ ግና፡ 12 - እናረኣዩ ኺርእዩ እሞ ከይስወጦም፡ እናሰዑ ኺሰምዑ እሞ ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ ይቕረውን ምእንቲ ኸይብለሎምሲ፡ ኲሉ ብምስላ እዩ ዚኸውን። 13 - በሎም ድማ፡ ነዚ ምስላ እዝዶ ኣይፈለጥኩምዎን፧ ከመይ ጌርኩም ደኣ ንዂሉ ምስላታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም፧ 14 - እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል ይዘርኦ። 15 - እቶም ቃል ኣብ እተዘርኣ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርኤ ቓል ይወስዶ። 16 - ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ። 17 - ንሽዑ እዮ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉ። 18 - እቶም ኣብ እሾዂ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ፡ 19 - ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣ ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን ኣትዩኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን። 20 - እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዚቕበልዎውን ፍረ ኸኣ ዚፈርዩ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ።

21 - በሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኬንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኬንብርዎ ደይኰነን፧ 22 - ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስውር ድማ የልቦን። 23 - ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 24 - ድማ በሎም፡ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ። 25 - ንዘለዎ ይወሀቦ እዩ እሞ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።

26 - በለውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ። 27 - ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጦ፡ ይበቊል ይዐቢውን። 28 - እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቚሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። 29 - ምስ በጽሔ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ይሰድድ።

30 - በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧ 31 - ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርኤት እሞ ካብ ኲሉ ዘርኢ ምድሪ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። 32 - ምስ ተዘርኤት ከኣ፡ ትበቊል፡ ካብ ኲሉ ኣሕምልቲውን ትዐቢ። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳኤን ክሳዕ ዚኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር።

33 - ምስማዑ ብዚከኣሎም መጠን፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ብዙሕ ነገር ተዛረቦም። 34 - ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን። ንደቀ መዛሙርቱ ግና ኣብ በይኖም ኲሉ ይገልጸሎም ነበረ።

35 - በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። 36 - ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃለቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። 37 - ህቦብላን ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። 38 - ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣትንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። 39 - ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ፡ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። 40 - ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን፧ በሎም። 41 - ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ።




5ይ ምዕራፍ

1 - ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። 2 - ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። 3 - ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቚሕ እኳኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። 4 - ብመቚሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቚሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽአለ ከቶ ኣይነበረን። 5 - ኲሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። 6 - ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዮ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ 7 - ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ ኣሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። 8 - የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። 9 - ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። 10 - ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። 11 - ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። 12 - ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። 13 - የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። 14 - እቶም ጓሶት ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። 15 - ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረኣይዎ እሞ ፈርሁ። 16 - እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። 17 - ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። 18 - ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። 19 - የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐአካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። 20 - ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኽሰብኽ ጀመረ፡ ኲሎምውን ተደነቑ።

21 - ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ። 22 - ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝሱ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ 23 - ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍውሳን ክትሐውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። 24 - ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ።

25 - ካብ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። 26 - ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኪሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። 27፡28 - ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ ኽዳኑ ተንከየት። 29 - ብኡብኡ ዓይኒ ድማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማም ከም ዝሐወየት ከኣ ብነፍሳ ተፈላጣ። 30 - ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። 31 - ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ ኣሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። 32 - ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። 33 - እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዂሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። 34 - ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዐዪ፡ በላ።

35 - ገና እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣሎኻ፧ ዚብልዎ መጹ። 36 - የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዔ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ። 37 - ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓው ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን። 38 - ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ። 39 - ኣትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዩን ኣሎኹም፧ በሎም። 40 - ሰሐቕዎ ድማ፡ ንሱ ግና ንዂሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለዉን ሒዙ፡ ናብታ ቘልዓ ዘላቶ ኣተወ። 41 - ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ ኣሎኹ፡ እዩ። 42 - እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ። 43 - ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም።




6ይ ምዕራፍ

1 - ካብኡ ወጺኡ ናብ ዓዱ መጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዐብዎ። 2 - ብሰንበት ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ጀመረ። ብዙሓት ንእኡ ሰሚዖም፡ ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ ከምዚ ዝበለ ሓይልታት ብኢዱ ዚግበርከ፡ እንታይ ጥበብ ተዋህበቶ፧ 3 - እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። 4 - የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዐቕን እዩ፡ በሎም። 5 - ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኺገብር ኣይኰነሉን። 6 - በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሀረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዓድታት ዞረ።

7 - ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ኪልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሀቦም። 8 - ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም። 9 - ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም። 10 - ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ካብኣ ኽሳዕ እትወጹ፡ ኣብኡ ተቐመጡ። 11 - ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 12 - ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ። 13 - ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም።

14 - ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዔ፡ ስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምውታት ተንስኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በለ። 15 - ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ንብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ። 16 - ሄሮድስ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምውታት ተንስኡ፡ በለ። 17፡18 - ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ ሰበይቲ ሓውካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰኣ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። 19፡20 - ሄሮድስ ዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይስምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን። 21 - ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነት፡ ሄሮድስ እተወልዳላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቓታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ። 22 - ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ሰምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ። 23 - ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሐለላ። 24 - ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖ፧ በለታ። ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ፡ በለታ። 25 - ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ ኣሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ። 26 - እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ሐዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወን። 27 - ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይ፡ ርእሱ ኼምጽእ ኣዚዙ፡ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ። 28 - ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሀባ፡ እታ ጓልውን ነዲኣ ሀበታ። 29 - ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ።

30 - እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ የሱስ ተኣከቡ፡ ዝገበርዎን ዝመሀርዎን ከኣ ኣዛረብዎ። 31 - ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ዚመጹን ዚኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢሎኩም፡ ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ፡ በሎም። 32 - በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። 33 - ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ረኣይዎም፡ ብዙሓትውን ኣለለይዎም። ካብ ኲለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ መጹ፡ ናብኡውን ተኣከቡ። 34 - የሱስ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ። ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ። 35 - እቲ ጊዜ ኣዝዩ ምስ ሐለፈ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ፡ 36 - ዚብላዕ የብሎምን እሞ፡ ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቚሻትን ዓድታትን ከይዶም፡ ንኣታቶም ዚበልዕዎ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 37 - ንሱ ግና መሊሱ፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ኽንዕድግ እሞ ኪበልዑ ኽንህቦም፧ በብዎ። 38 - ንሱ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኸም ዘሎኩም ኪዱ ርኣዩ፡ በሎም። ምስ ፈለጡ፡ ሓሙሽተን ክልተ ዓሳን፡ በልዎ። 39 - ንዂሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኬቐምጥዎምውን ኣዘዞም። 40 - ከከም መስርዖም በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41 - ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኪቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዂሎም መቐሎም። 42 - ኲሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ። 43 - እቲ ቘረርስውን ዓሰርተው ክልተ መሶብ ምሉእ ኣልዐሉ፡ ካብቲ ዓሳ ድማ። 44 - እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ እዮም።

45 - ብኡብኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሳናብት፡ ናብ ጃልባ ኣትዮም ንማዕዶ ናብ ቤተ-ሳይዳ ኪቕድምዎ ብግዲ በሎም። 46 - ምስ ኣሰናበቶም፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 47 - ምድሪ ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ምእከል ባሕሪ ነበረት፡ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። 48 - ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኺሐልፎምውን ደለየ። 49 - ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት መሲልዎም ጨርሑ። 50 - ኲሎም ረኣይዎ እሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 51 - ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሀድኤ። ንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ። 52 - ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዐልዎን።

53 - ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ነታ ጃልባ ኣቘምዋ። 54 - ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ኣለለይዎ። 55 - ኣብ ኲላ እታ ሃገር ጐየዩ፡ ኣበይ ምህላዉ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ድኑሳት ብዓራታት ገይሮም ናብኡ ኺጾርዎም ጀመሩ። 56 - ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ዓድታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ከተማታት፡ ወይ ኣብ ኣቚሻት፡ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት በጥ ኣበልዎም፡ ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ድማ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ዂሉውን ሐወየ።




7ይ ምዕራፍ

1 - ሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 2 - ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሐጽባ ኣእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም።- 3 - ፈሪሳውያንን ኲሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሐጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ 4 - ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሐጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም። 5 - ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኣእዳዎም ከይተሐጽቡስ እንጌራ ዚበልዑ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 6፡7 - ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኢ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩን፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኸêም ጽቡቕ ተነበየ። 8 - ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ ኣሎኹም። 9 - ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። 10 - ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ። 11 - ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቚርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎም፡ 12 - ደጊም ንቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። 13 - ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም። 14 - ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኲልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። 15 - ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። 16 - እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። 17 - ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሐትትዎ። 18 - በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንድዚ ደናቚርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዂሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 19 - ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዂሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ። 20 - በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 21 - ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ 22 - ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጒርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኲርዓት፡ ዕሸነት። 23 - እዚ ዂሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ።

24 - ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወን፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። 25 - ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍኤት። 26 - እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። 27 - የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም ነቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። 28 - ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። 29 - ንሱ ድማ፡ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ፡ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። 30 - ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ።

31 - ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ብማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። 32 - ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። 33 - ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። 34 - ናብ ሰማይ ቊሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸአት፡ ማለት እዩ። 35 - ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔ፡ ኣቕኑዑውን ተዛረበ። 36 - ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። 37 - ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዂሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ።




8ይ ምዕራፍ

1 - በቲ ቕነ እቲ ኸም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 2 - እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም፡ ዚብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። 3 - ሓያሎ ኻባታቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም፡ ጸሞም ነናብ ቤቶም እንተ ኣሳናበትክዎም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም፡ በሎም። 4 - ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ነዞም ሰብ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧ ኢሎም መለሱሉ። 5 - ንሱ ኸኣ፡ ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 6 - ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። እተን ሾብዓተ እንጌራ ወሲዱ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኪቕርብሎም ሀቦም። ነቶም ህዝቢ ድማ ቐረቡሎም። 7 - ሒደት ዓሳ ኸኣ ነበሮም፡ ንእኡ ድማ ባሪኹ ሀቦም፡ ኪቕርቡሎምውን ኣዘዘ። 8 - በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ከኣ ሾብዓተ መሶብ ኣልዐሉ። 9 - እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እዮም። ሽዑ ኸኣ ኣሳናበቶም።

10 - ድሕርዚ ብኡብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ሃገር ደልማኑታ መጸ። 11 - ፈሪሳውያንን ከኣ ወጹ፡ እናፈተንዎ ኻብ ሰማይ ትእምርቲ ኻብኡ ደልዮም ኪካራኸርዎ ጀመሩ። 12 - ንሱ ድማ ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ ኣሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሀቦ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 13 - ሐዲግዎም ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ኣተወ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ።

14 - ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ፡ ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ብጀካ ሓንቲ እንጌራ ኣይነበሮምን። 15 - ንሱ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ ኢሉ ኣዘዞም። 16 - ንሓድሕዶም ድማ፡ እንጌራ ስለ ዜብልና እዩ፡ ኢሎም ሐሰቡ። 17 - የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ 18 - ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ 19 - እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ዓሰርተው ክልተ፡ በልዎ። 20 - እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ኽንደይ መሶብ ኣልዐልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 21 - ንሱ ድማ፡ ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ በሎም።

22 - ናብ ቤተ-ሳይዳ ኸኣ መጹ። ዕውር ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኪትንክዮ ለመንዎ። 23 - ነቲ ዕውር ድማ ብኢዱ ሒዙ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኣንበረሉ እሞ፡ ገለዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። 24 - ቋሕ ኢሉ ድማ፡ ሰባት እርኢ ኣሎኹ፡ ኪመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም ኣሎኹ፡ በለ። 25 - ከም ብሓድሽ ድማ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እምኦ ኣጸቢቑ ጠመተ፡ ሐወየ ንዂሉውን ተቐሊዑ ረኣዮ። 26 - የሱስ ከኣ፡ ናብ ዕዲ ኣይትእቶ፡ ኢሉ ናብ ቤቱ ሰደዶ።

27 - የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናብ ፊልጶስ ከዱ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ኣብ መገዲ፡ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ አለዉ፧ ኢሉ ሐተቶም። 28 - ንሳቶም ድማ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ በልዎ። 29 - ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ በሎም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፡ በሎ። 30 - ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 31 - ንወዲ ሰብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይቲ ህዝብን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዝግብኦ፡ ኪምህሮም ጀመረ። 32 - ነዚ ነገርዚ ድማ ኣግሂዱ ተዛርቦ። ጴጥሮስ ከኣ ፍልይ ኣቢሉ ኺገንሖ ጀመረ። 33 - ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ርእዩ፡ ንጴጥሮስ፡ ኣታ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ኢሉ ገንሖ።

34 - ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደአድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። 35 - ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሓና እዩ። 36 - ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ 37 - ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሀበ፧ 38 - ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሐፍር እዩ።




9ይ ምዕራፍ

1 - ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

2 - ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። 3 - ክዳኑ ድማ በርሄ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኼጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። 4 - ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። 5 - ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መለሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። 6 - ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዚብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። 7 - ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 8 - ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።

9 - ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። 10 - ነቲ ቓሉ ኸኣ ሐዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምውታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ። 11 - ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 12 - ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዂሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዐቕን እዩ። 13 - ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበረዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።

14 - ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢልዎም፡ ጸሓፍቲውን ኪካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ። 15 - ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። 16 - ንጻሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። 17 - ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ 18 - ኣብ ዝሐዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዐፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። 19 - ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። 20 - ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዐፈረ ኸኣ። 21 - የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ 22 - ኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ግለ ትኽእል እንተ ኼንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። 23 - የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ኼንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዚኣምን ኲሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። 24 - ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ ኣእምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፎ፡ በለ። 25 - የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። 26 - ገዐረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳኦ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። 27 - የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ። 28 - ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ። 29 - ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ በሎም።

30 - ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሐለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኺፈልጥ ኣይፈተወን። 31 - ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይውሀብ ኣሎ፡ ኪቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ፡ በሎም። 32 - ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዐልዎን፡ ከይሐትዎ ኸኣ ፈርሁ።

33 - ኣብ ቅፍርናሆም በጽሔ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶም። 34 - ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። 35 - ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዂሉን ግዙእ ኲሉን ይኹን፡ በሎም። 36 - ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሐቝፍዎ ኸኣ፡ 37 - ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል፡ በሎም።

38 - ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዐበና ኸሊእናዮ፡ በሎ። 39 - የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዚገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ኪዛረበለይ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 40 - ዘይበኣሰና ዘበለ ዂሉ ምሳና እዩ። 41 - ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 42 - ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ።

43፡44 - ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 45፡46 - እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 47፡48 - ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ። 49 - ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኲሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዚምቅር። 50 - ጨው ጽቡቕ እይ። እቲ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቅርዎ፡ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሀሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።




10ይ ምዕራፍ

1 - ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሀሮም። 2 - ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 3 - ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም። 4 - ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጽሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ። 5 - የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሐፈልኩም። 6 - ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። 7 - ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡ 8 - ክልቲኦም ድማ ሕደ ስጋ ይዀኑ። ስለዚ ሐደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። 9 - እምብኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። 10 - ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሐተትዎ። 11 - ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ። 12 - እታ ሰብኣይ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም።

13 - ንቘልዑ ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም። 14 - የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። 15 - ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 16 - ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።

17 - ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኸêውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። 18 - የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን። 19 - ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኣሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዐምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ። 20 - ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በሎ። 21 - የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዐበኒ፡ በሎ። 22 - ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍኤ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሀየ ኸደ።

23 - የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም። 24 - እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎም፡ ደቀይ፡ ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25 - ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል። 26 - ብዙሕ ተገሪሞም ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይከኣሎ፧ ተባሃሀሉ። 27 - የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኲሉ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከኣሎን እዩ፡ በለ። 28 - ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ዂሉ ሐዲግና ሰዐብናካ፡ ኪብሎ ጀመረ። 29 - የሱስ መለሰ በለውን፡ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ 30 - ሕጂ ኣብዛ ዝመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 31 - ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።

32 - ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡እቶም ዚስዕቡ ዘለዉውን ፈርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዚመጾ ዘሎ ኺነግሮም ጀመረ፡ 33 - እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣብ ጸሓፍትን ኬትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍር ዲ ሞት ኪፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። 34 - ኬላግጹሉ፡ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ኪገርፍዎ፡ ኪቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።

35 - ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ ዝለመንናካ ኽትገበረልና ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ። 36 - ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 37 - ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማንካ ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሀበና፡ በልዎ። 38 - የሱስ ግና፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም። 39 - ንሳቶም ከኣ፡ ይከኣለና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ትምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም። 40 - ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። 41 - እቶም ዓሰርተ ሰሚዖም፡ ብያእቆብን ዮሃንስን ኪናደዱ ጀመሩ። 42 - የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቚጸሩ ኸም ዚግዝእዎም፡እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ ኣሎኹም። 43 - ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። 44 - ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዂሉ ይኹን። 45 - ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

46 - ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተዉ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕውር ወዲ ጤሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 47 - የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኢሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፡ ኪብል ጀመረ። 48 - ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና፡ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ። 49 - የሱስ ድማ ደው ኢሉ፡ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕውር ከኣ ጸዊዖም፡ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ፡ በልዎ። 50 - ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ። 51 - የሱስ ድማ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕውር ከኣ፡ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። 52 - የሱስ ከኣ፡ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዐቦ።




11ይ ምዕራፍ

1 - ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤት-ፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2 - በሎምውን፡ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። አቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። 3 - ገለ ሰብ፡ ከመይከ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ኪሰዶ እዩ። 4 - ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኽብዎ ፈትሕዎውን። 5 - ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለው ሓያሎ ኸኣ፡ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በልዎም። 6 - ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሐደግዎም። 7 - ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሔ። 8 - ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ። 9 - ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ። 10 - እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ።

11 - የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንዂሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ።

12 - ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኺወጹ ኸለዉ ጠመየ። 13 - ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን። 14 - መሊሱ ድማ፡ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።

15 - ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ኰይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ኬውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 16 - ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤት መቕደስ ኪሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ፡ 17 - ቤተይ ንዂሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሀሮም። 18 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።

19 - ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ።

20 - ንግሆ ኺሐልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ። 21 - ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ፡ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ። 22 - የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። 23 - ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24 - ስለዚ፡ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25 - ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሕደገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ። 26 - ንስኻትኩም እንተ ዘይሀደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹምድማ በደልኩም ኣይሐድገልኩምን እዩ።

27 - ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኪመላለስ ከሎ፡ ሊቓውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡ 28 - በየናይ ስልጣን እዝ ትገብር ኣሎኻ፧ ወይስ እዚንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ። 29 - የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 30 - ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ። 31 - ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ኪብለና እዩ። 32 - ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ - ንዮሃንስ ኲሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ፈርሁ። 33 - ንየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።




12ይ ምዕራፍ

1 - ብምስላ ድማ ኪብሎም ጀመረ፡ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ። 2 - ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ። 3 - ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎም፡ ጥራይ ኢዱ ሰደዱዎ። 4 - ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ። ንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎ፡ ኣሕሲሮምውን ሰደድዎ። 5 - ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም። 6 - ገና ዜፍቅሮ ሓደ ወዱ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ፡ እስኪ ንወደይ እንተ ሐፈርዎ፡ ኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ። 7 - እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ኪኸውን፡ ተባሃሀሉ። 8 - ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ። 9 - እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። 10፡11 - እታ፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧ 12 - ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ክሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሐዲጎምዎ ኸዱ።

13 - ብዘረባ ኺጠልፍዎ ኸኣ፡ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄረድሳውያንን ሓያሎ ሰደዱሉ። 14 - መጺኦም ድማ፡ መምህር፡ መገዲ ኣምላኽ ደኣ ብሓቂ ትምህር ኣሎኻ እምበር፡ ነዚ ነቲ ኣይትብልን ኢኻ እሞ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ዘይተዳሉ ሓቀኛ ምዃንካ ንፈልጥ ኣሎና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብዚ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ንሀብዶ ኣይንሀብ፧ በልዎ። 15 - የሱስ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምኡለይ፡ በሎም። 16 - ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ፡ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። 17 - የሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ገረሞም።

18 - ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፡ ከምዚ ኢሎምውን ሐተትዎ፡ 19 - መምህር፡ ሓው ዝሞቶ ዘበለ ውሉድ ከይወለደውን ሰበይቱ እንተ ሐደገ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓው ይውረሳ እሞ፡ ንሓው ዘርኢ የቚመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና። 20 - ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ውሉድ ከይሐደገ ኸኣ ሞተ። 21 - እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ሐድጊ ኸይሐደገውን ሞተ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኸምኡ። 22 - ሾብዓቲኦም ከኣ ሐድጊ ኣይሐደጉን። ድሕሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23 - ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 24 - የሱስ ከኣ፡ መጻሕቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧ 25 - ካብ ምውታት ምስ ተንስኡስ፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዚኸ÷ኑ እምበር፡ ኣየእትውን ኣየተኣታትውን እዮም። 26 - ብዛዕባ ምውታት ከም ዚትንስኡኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዂ ቈጥቋጥ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27 - ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር፡ ናይ ምውታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኹም ትስሕቱ ኣሎኹም፡ ኢሉ መለሰሎም።

28 - ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ፡ኣካብ ኲለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ። 29 - የሱስ መለሰ፡ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፡ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። 30 - ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ዂሉ ሓሳብካን ብዂሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። 31 - እታ ኻልኣይታ እትመስላ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን። 32 - እቲ ጻሓፊ ኸኣ፡ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። 33 - ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዂሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኲሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዐቢ እዩ፡ በሎ። 34 - የሱስ ድማ። በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ፡ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ ደጊሙ ኺሐቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን።

35 - የሱስ ድማ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ መለሰ በለውን፡ ጻሓፍቲ ኸመይ ኢሎም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዚብሉ፧ 36 - ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳኦ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል። 37 - ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ ካብ ዚብሎ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይዀኖ፧ እቶም ብዙሓት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ።

38፡39 - ብምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ኪሳለምዎም ዚፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥ፡ ኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። 40 - ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ፡ ኬምስሉ ኸኣ ጸሎት የንውሑ። እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። 41 - የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። 42 - ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። 43 - ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጻዋት ዘውደቑ ዂሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 44 - ኲሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዂሉ ምግባ እያ ዝሀበት፡ በሎም።




13ይ ምዕራፍ

1 - ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ፡ በሎ። 2 - የሱስ ድማ፡ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

3 - ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፡ 4 - እስኪ ንገረና፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዂሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ፡ ትእምርቱ እንታይ እይ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 5 - የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረ፡ ሓደ እኳ ኸይስሕተኩም ተጠንቀቑ። 6 - ብዙሓት፡ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም። 7 - ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 8 - ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።

9 - ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10 - ቅድም ንዂሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። 11 - መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሀበኩም ደኣ ተዛረቡ። 12 - ሓው ንሓው፡ ወላዲ ንውሉዱ ኣህሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ና ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም። 13 - ምእንቲ ስመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ኺድሕን እዩ።

14 - እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኩም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይሀድሙ። 15 - ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። 16 - ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17 - በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። 18፡19 - ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። 20 - እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን። 21 - ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ ኣሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ። 22 - ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። 23 - ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ፡ ኣቐዲመ ዂሉ ነገርኩኹም።

24 - በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። 25 - ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። 26 - ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። 27 - ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኽልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።

28 - ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ፡ ትፈልጡ ኢኹም። 29 - ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ኪኸውን ከሎ እንተ ርኤኸêም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ፡ ፍለጡ። 30 - እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 31 - ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። 32 - ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላልእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።

33 - እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥውን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን። 34 - ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፡ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሀቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ። 35፡36 - እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ንቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂሰኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። 37 - እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዂሉ እብሎ ኣሎኹ፡ ንቕሑ።




14ይ ምዕራፍ

1 - ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ። 2 - ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዐልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።

3 - ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 4 - ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ፡ ንምንታይ እዚ ጥፍኣይ ቅዱስይ ቅብኢ ዀነ፧ 5 - እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። 6 - የሱስ ግና፡ ስለምንታይ ተጒህይዋ ኣሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። 7 - ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። 8 - ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። 9 - እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኲላ ዓለም፡እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ።

10 - ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። 11 - ሰሚዖም ተሐጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

12 - በታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 13 - ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዐብዎ። 14 - ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 15 - ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። 16 - እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።

17 - ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። 18 - ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 19 - ኪጒህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። 20 - ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። 21 - ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ።

22 - ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፡ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም። 23 - ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም፡ ኲሎምውን ካብኣ ሰተዩ። 24 - ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። 25 - ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

26 - መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።

27 - የሱስ ድማ፡ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂልኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 28 - ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 29 - ጴጥሮስ ድማ፡ ኲሎም እንተ ተዐንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ። 30 - የሱስ ድማ፡ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 31 - ሽዑ ንሱ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛርበ። ኲሎምውን ከምኡ በሉ።

32 - ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 33 - ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ኪጒን ኪትክዝን ጀመረ እሞ፡ 34 - ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጒሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም። 35 - ቅሩብ ንቕድሚት ሕል ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍኤ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሐልፍ ጸለየ እሞ፡ 36 - ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኲሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ። 37- መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ፡ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣለካን፧ 38 - ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ። 39 - ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። 40 - ተመሊሱ ኸኣ፡ ኣዒንቶምባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዚመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጥን ነበሩ። 41 - ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ፡ ደጊም ደቅሱ ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሐዝ እዩ። 42 - ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዜትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም።

43 - ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። 44 - እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሀቦም። 45 - መጺእሪ ድማ ብኡብኡ ንብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዐሞ። 46 - ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሐዝዎ። 47 - ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፊ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ። 48 - የሱስ ድማ። ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ 49 - ኣብ ቤት መቕደስ እናመሀርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሐዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸማ ይኸውን ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 50 - ኲሎም ከኣ ሐዲጎምዎ ሀደሙ።

51 - ነጸላ እተኸድነ ጐአዝ ድማ ሰዐቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሐዝዎ። 52 - ንሱ ግና ነጻላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሀደመ።

53 - ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 54 - ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ።

55 - ሊቃውንቲ ኻህናት ኲሎም ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። 56 - በዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን። 57 - ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ፡ 58 - ኣነ ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ተንስእዎ። 59 - ምስክሮም ከኣ በዚውን ኣይገጠመን። 60 - እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ፡ በዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሐተቶ። 61 - ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። 62 - የሱስ ድማ፡ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ። 63 - ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር ኣሎና፧ 64 - ምጽራፍ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኲሎም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረፉ። 65 - ሓያሎ ድማ ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ኬጒስጥዎ፡ ተነበውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።

66 - ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት። 67 - ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኺስሕን ከሎ፡ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ። 68 - ንሱ ግና፡ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ። 69 - እታ ገረድ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት። 70 - ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሐደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ፡ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ። 71 - ንሱ ግና፡ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። 72 - ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሐሲቡ በኸየ።




15ይ ምዕራፍ

1 - ምስ ወግሔ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሀብዎ። 2 - ጶላጦስ ድማ፡ ንስኻዶ ንጉስ ይሁዳ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3 - ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ። 4 - ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ፡ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። 5 - የሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዚግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።

6 - በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ። 7 - ምስቶም ጋሮ ዝገብሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተሉ፡ በርባን ዚብሀል ተኣሲሩ ነበረ። 8 - እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ። 9፡10 - ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 11 - እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርገርዎም። 12 - ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ፡ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 13 - ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። 14 - ጲላጦስ ከኣ፡ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም፡ ስቐሎ፡ በሉ። 15 - ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ኪስቀል ገሪፉ ሀቦም።

16 - እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ። 17 - ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡ 18 - ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ኪነስኡሉ ጀመሩ። 19 - ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ። 20 - ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎውን ኣውጽእዎ።

21 - ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስ ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኺኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኺጸውር ብግዲ ወሰድዎ። 22 - ናብ ቦታ ጐልጎታ፡ - ትርጓሚኣ፡ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ - ወሰድዎ። 23 - ምስ ከርበ እተሐወሰ ወይኒ ድማ ሀብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን። 24 - ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ። 25 - እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት። 26 - ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ።

27 - ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ። 28 - እቲ፡ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ። 29፡30 - እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣየ፡ ኣት ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲውን እትሀንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 31 - ከምእሪ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍቲ ንሓድሕዶም፡ ንኻልኦት ኣድሓነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልን፡ 32 - ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጹሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጹሉ ነበሩ።

33 - ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት። 34 - ብታስዐይቲ ሰዓት ይሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። 35 - ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ፡ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። 36 - ሓደ ጐይዩ፡ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ፡ ኢሉ መጺጽ ብሰፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 37 - ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። 38 - መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳኦ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39 - እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ። 40 - ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ። 41 - ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዐባኦን ዘገልገላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን።

42 - ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት፡ 43 - ዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ። ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ስጋ የሱስ ለመኖ። 44 - ጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሐተቶ። 45 - ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድኤ፡ ስጋኡ ንዮሴፍ ሀቦ። 46 - ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዐዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዐጸዎ። 47 - ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።




16ይ ምዕራፍ

1 - ሰንበት ምስ ሐለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ኪለኽያኦ ቕዲት ዐደጋ። 2 - ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጻ። 3 - ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ኪግልጠልና እዩ፧ ተባሃሀላ። 4 - እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበራ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። 5 - ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጺ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። 6 - ንሱ ድማ፡ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። 7 - ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። 8 - ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺኤን ሀደማ። ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።

9 - በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ። 10 - ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪበኽዩን ኪጒህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። 11 - ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን።

12 - ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም። 13 - ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን።

14 - ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም። 15 - በሎም ድማ፡ ናብ ኲላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። 16 - ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዂነን እዩ። 17 - ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ 18 - ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።

19 - ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። 20 - ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኲሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።



AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>