Lukas

ወንጌል ሉቃስ

1ይ ምዕራፍ

1 - ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዚጅምሩ፡ 2 - እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡ 3፡4 - ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዂሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሀርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ።

5 - ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዚብሀል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሀል ሰበይቲ ነበረቶ። 6 - ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጒድለት ዚኸዱ ነበሩ። 7 - ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሐለፈ ኣረገውቲ ነበሩ።

8 - ኰነ ድማ፡ ብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ኪገብር ከሎ፡ 9 - ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ዕጣን ኪዐጥን ብዕጭ በጽሖ። 10 - በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ኲሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ። 11 - በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ። 12 - ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ። 13 - እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፡ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። 14 - ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም። 15 - ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ዀሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ። 16 - ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ። 17 - ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ። 18 - ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፡ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፧ በሎ። 19 - እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣክኩ። 20 - እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳብ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ። 21 - እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም። 22 - ምስ ወጸ ድማ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ። 23 - ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔ፡ ናብ ቤቱ ኸደ።

24፡25 - ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፡ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሐብኤት።

26፡27 - ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሀል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። 28 - እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፡ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። 29 - ንሳ ድማ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፡ ኢላውን ሐሰበት። 30 - እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 31 - እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። 32 - ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። 33 - ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። 34 - ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፡ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፧ በለቶ። 35 - እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ። 36፡37 - እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ - ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትበሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። 38 - ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።

39 - በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። 40 - ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። 41- ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ 42 - ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፡ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። 43 - ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ 44 - እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። 45 - እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።

46 - ማርያም ድማ በለታ፡ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ 47-49 - መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዂሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። 50 - ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። 51 - ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዂሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። 52 - ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። 53 - ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። 54፡55 - ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።

56 - ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት።

57 - ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሔ ወዲውን ወለደት። 58 - ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሐጐሱ። 59 - ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገዝርዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ። 60 - ሽዑ ኣዲኡ፡ ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዚስመ፡ ኢላ መለሰት። 61 - ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ። 62 - ነቦኡ ድማ፡ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ እናኣመልከቱ ሐተትዎ። 63 - ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፡ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ። ኲሎም ከኣ ተገረሙ። 64 - ብኡብኡ ኣፉ ተኸፍተ፡ ልሳኑውን ተፈትሔ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ። 65 - ኣብ ኲሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነ፡ ብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኲላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ፡ 66 - ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሐዝዎ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት።

67 - ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚኢሉውን ተነበየ፡ 68 - ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። 69፡70 - ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡ 71 - ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኲሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና፡ 72 - ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኺዝክሮ፡ 73 - እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሐለሉ ማሕላ ኺህበና፡ 74፡75 - ብቕድስናን ብጽድቅን ብዂሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና። 76፡77 - ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዱ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሀል ኢኻ። 78፡79 - ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ኣብ ድነ ሞት ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ።

80 - እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ከኣ ደልደለ። ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።




2ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዂሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2 - እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀንት ቀዳመይቲ ጽሐፈት እያ። 3 - ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኲሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4፡5 - ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሐፍ ደየበ። 6 - ኰነ ድማ፡ ኣብኡ ኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። 7 - በዂሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።

8 - ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። 9 - መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሄ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። 10፡11 - እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 12 - ምልክት ድማእዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። 13፡14 - ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፡ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።

15 - ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ፡ ተባሃሀሉ። 16 - ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። 17 - እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18 - ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19 - ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዂሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት። 20 - እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኲሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።

21 - ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሀንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ።

22-24 - ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡ -ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፡ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሀል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ -ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬቚምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። 25 - እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሀል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። 26 - ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ። 27 - ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ 28 - ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሐቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፡ 29-32 - ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። 33 - ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34 - ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። 35 - ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።

36 - ካብ ወሰን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፈኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ንበርት። -ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። 37 - ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። -ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። 38 - ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዂሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39 - ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኲሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ።

40 - እቲ ሕጻን ዐበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ።

41 - እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42 - ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናይ የሩሳሌም ደየቡ። 43 - እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን። 44 - ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። 45 - ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 46 - ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ። 47 - ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። 48 - ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጉሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ። 49 - ንሱ ኸኣ፡ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። 50 - ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዐልዎን። 51 - ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዂሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።

52 - የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቚመትን ብጸጋን ዐበየ።




3ይ ምዕራፍ

1 - ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ፡ ፊልጶጽ ሓው ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጡርያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን፡ ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡ 2 - ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ። 3 - ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኲሉ ወሰነ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ። 4 - ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዚብል፡ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዚእውጅ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ። 5 - ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኲርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን። 6 - ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ምድሓን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ።

7 - ነቶም ንሱ ኼጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፡ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሐበረኩም፧ 8 - እምብኣርስኸ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚኤን ንኣብርሃም ውሉድ ኬተንስእሉ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ብርእስኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ምባል ኣይትጀምሩ። 9 - ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ስሩ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ኦም ይቚረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ። 10 - እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንታይ እሞ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። 11 - ንሱ ኸኣ፡ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዜብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም። 12 - ተገውቲ ድማ ኪጥመቑ መጺኦም፡ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። 13 - ንሱ ኸኣ፡ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሐለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም። 14 - ዓቀይቲውን፡ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።

15 - እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ፡ ኲሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ ድማ፡ 16 - ዮሃንስ መለሰ ንዂሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። 17 - መስኤኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።

18 - ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዐዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም። 19 - ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ፡ 20 - ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉ ወሲኹ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዐጸዎ።

21 - ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዂሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። 22 - መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።

23 - የሱስ ባዕሉ ኺምህር ምስ ጀመረ፡ ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ፡ 24 - ወዲ ማታት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ መልኪ፡ ወዲ ያና፡ ወዲ ዮሴፍ፡ 25 - ወዲ ማጣትዩስ፡ ወዲ ኣሞጽ፡ ወዲ ናሆም፡ ወዲ ኣስሊ፡ ወዲ ናጌ፡ 26 - ወዲ መኣት፡ ወዲ ማታትዮስ፡ ወዲ ሴሜይ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 27 - ወዲ ዮና፡ ወዲ ሬሳ፡ ወዲ ዘሩባቤል፡ ወዲ ሰላትኤል፡ ወዲ ኔሪ፡ 28 - ወዲ ሜልኪ፡ ወዲ ኣዲ፡ ወዲ ቆሳም፡ ወዲ ኤልማዳም፡ ወዲ ኤር፡ 29 - ወዲ ዮሴ፡ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ዮራም፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ሌዊ፡ 30 - ወዲ ስምኦን፡ ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ዮናን፡ ወዲ ኤልያቂም፡ 31 - ወዲ ሜልያ፡ ወዲ ማይናን፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ናታን፡ ወዲ ዳዊት፡ 32 - ወዲ እሴይ፡ ወዲ እዮቤድ፡ ወዲ ቦኤዝ፡ ወዲ ሰልሞን፡ ወዲ ነኣሶን፡ 33 - ወዲ ኣሚናዳብ፡ ወዲ ኣራም፡ ወዲ ኤስሮም፡ ወዲ ፋሬስ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 34 - ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር፡ 35 - ወዲ ሳሮክ፡ ወዲ ራጉ፡ ወዲ ፋሌቅ፡ ወዲ ኣቤር፡ ወዲ ሳላ፡ 36 - ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ኣርፋክሳድ፡ ወዲ ሴም፡ ወዲ ኖህ፡ ወዲ ላሜኽ፡ 37 - ወዲ ማቱሳላ፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ያሬድ፡ ወዲ መላልኤል፡ ወዲ ቃይናን፡ 38 - ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ።




4ይ ምዕራፍ

1 - የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ። 2 - ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲአተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ። 3 - ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝ፡ በሎ። 4 - የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዂሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5 - ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኲላ ዓለም ኣርኣዮ። 6 - ሽዑ ድያብሎስ፡ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ 7 - ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኲሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። 8 - የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ። 9-11 - ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺሕልወኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። 12 - የሱስ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 13 - ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ።

14 - የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡዘሎ ዂሉ ዓድታት ተሰምዔ። 15 - ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀረ፡ ኲሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።

16 - ናብታ ዝዐበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ። 17 - መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፡ 18 - ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ 19 - ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። 20 - ሽዑ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ። 22 - ኲሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፡ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ። 23 - ንሱ ድማ፡ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፡ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፡ በሎም። 24 - በለ ኸኣ፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25 - ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ስለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡ 26 - ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን። 27 - ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን። 28 - ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዂሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ። 29 - ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሊ ዘላ ኸረን ወሰድዎ። 30 - ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ።

31 - ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። 32 - ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ። 33 - ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፡ 34 - ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 35 - የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 36 - ኲሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ እዚ ነገርዝስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ። 37 - ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ።

38 - ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ነበርት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ። 39 - ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሶኣ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልግለቶም።

40 - ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ሕሙማት ናብኣ ኣምጽኡ፡ ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም። 41 - ኣግንንቲውን፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉን እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።

42 - ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ። 43 - ንሱ ግና፡ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም።

44 - ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።




5ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። 2 - ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ክልተ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ። 3 - ካብተን ጃላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። 4 - ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቚ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ። 5 - ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሐዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 6 - እዚ ምስ ገበሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ። 7 - ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግግዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ መልእወን። 8-10 - ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዂሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኩ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፡ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፡ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። 11 - ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዂሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ።

12 - ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ። 13 - የሱስ ድማ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ። 14 - ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ። 15 - ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሓማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ። 16 - ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።

17 - ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኲሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቐሚጦም ነበሩ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ። 18 - እንሆ ድማ፡ ሰባት መጻጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። 19 - ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትውዎ እንተ ጨነቖም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ። 20 - እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ኣሎ፡ በሎ። 21 - ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ እዚ ጻርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፧ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእል፧ ኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩ። 22 - የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፡ ብልብኹም እንታይ ትሐስቡ ኣሎኹም፧ 23 - ኣየናይ ይቐልል፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡ 24 - ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡- ነቲ መጻጒዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 25 - ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ። 26 - ኲሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፡ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም።

27 - ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዚብሀል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። 28 - ተንሲኡ ኸኣ ንዂሉ ሓዲጉ ሰዐቦ። 29 - ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ። 30 - ፈሪሳውያንን ጻሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን ኣሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም። 31 - የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 32 - ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።

33 - ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፡ በልዎ። 34 - የሱስ ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧ 35 - ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጾሙ እዮም፡ በሎም። 36 - ምስላ ድማ መሰለሎም፡ ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቊራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ። 37 - ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገዊ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይበላሾ። 38 - ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ። 39 - ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።




6ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሐዉ፡ በእዳዎም እናሐሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ። 2 - ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ ኣሎኸêም፧ በልዎም። 3 - የሱስ ከኣ፡ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ዝገበሮ፡ 4 - ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብኤ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዔ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሀቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም። 5 - ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም።

6 - ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሀረ። ኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 7 - ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እስኪ ብሰንበር እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 8 - ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ። 9 - የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢለ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 10 - ናብ ኲሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ እታ ኢዱውን ሐወየት። 11 - ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ።

12 - ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ። 13 - ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፡ 14 - ስምኦን፡ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ፡ እንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡ 15 - ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተባህለ ስምኦንን፡ 16 - ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 17 - ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በማላ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ኪሰምዖው ኻብ ሕማሞምውን ኪሐውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ። 18 - እቶም ብርኹሳት መናስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሐወዩ። 19 - እቶም ህዝቢ ኸኣ ኲላቶም ኪትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዩም።

20 - ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣት ኢኹም። 21 - ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 22 - ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኹም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጽኡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። 23 - እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኸêም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን። 24 - ኣቱም ሃብታማት ግና፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኺም እሞ፡ ወይለኸêም። 25 - ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኺም እሞ፡ ወይለኹም። 26 - ኲሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።

27 - ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ። 28 - ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ። 29 - መልትሕካ ንዝወቕዓካን እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። 30 - ንዝለመነካ ዘበለ ሀብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። 31 - ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኪም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። 32 - ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ 33 - ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34 - ኪፈድዩኺም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። 35 - ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። 36 - ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ። 37 - ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኲነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። 38 - ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋርወ መስፈሪ ኣብ ሕቚፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

39 - ብምስላ ኸኣ በሎም፡ ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጒድጓድ ኣይወድቁን፧ 40 - ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድኤ ዂሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን። 41 - ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ግና ዘይተሰብህል፧ 42 - ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጒንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ። 43 - ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ረ ዚፈሪ የልቦን። 44 - ኲሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ካብ እሾዂ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ። 45 - ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።

46 - ስለምንታይ ደኣ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ 47 - እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዂሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም እየ፡ 48 - ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዐተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። 49 - እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።




7ይ ምዕራፍ

1 - ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድኤ፡ ናይ ቅፍርናሆም ኣተወ።

2 - ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዜኽብሮ ባርያኡ ሐሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ። 3 - ወረ የሱስ ምስ ሰምዔ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኼሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኺ ለመኖ። 4፡5 - ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ንሱ ንህዝብና የፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ እሞ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግብኣ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። 6 - የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም። 7 - ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሐዊ እዩ። 8 - ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለዉኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 9 - የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዐብዎ ህዝቢ፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 10 - እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ሐውዩ ረኸብዎ።

11 - ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። 12 - ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምውት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። 13 - ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፡ ኣይትብከዪ፡ በላ። 14 - ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 15 - እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሀባ። 16 - ንዂሎም ፍርሃት ሐዞም፡ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 17 - እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ።

18 - ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዂሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ። 19 - ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም። 20 - እቶም ሰብ ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ድኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ። 21 - ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሀቦም። 22 - የሱስ ከኣ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። 23 - ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

24 - እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፧ 25 - እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑ ሰብኣይዶ፧ እንሆ፡ ብኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሐንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ። 26 - እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚዐቢ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 27 - እቲ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ። 28 - ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዚንእስ ይዐብዮ። 29 - ኲሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ። 30 - ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዐቕዎ። 31 - እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧ 32 - ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኼኹምን፡ ዚብሉ ቘልዑ እዮም ዚመስሉ። 33 - ዮሃንስ መጥምቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ትብሉ ኣሎኹም። 34 - ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 35 - ጥበብ ግና ብዂሎም ደቃ ጸደቐት።

36 - ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37 - እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቓጥ ኣምጽኤት። 38 - ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጒሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። 39 - እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፡ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ ምዃና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ። 40 - የሱስ ከኣ፡ ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። 41 - ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። 42 - ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ 43 - ስምኦን ከኣ፡ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐድገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ቅኑዕ ፈረድካ፡ በሎ። 44 - ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሀብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘት። 45 - ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዐረፈትን። 46 - ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። 47 - ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘርቀረት፡ ንኣእ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር። 48 - ንእኣ ድማ፡ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ። 49 - እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፡ እዚ፡ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። 50 - ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።




8ይ ምዕራፍ

1 - ድሕርዚ ድማ፡ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። 2፡3 - ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።

4 - ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ 5 - ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። 6 - ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። 7 - ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾዂ ወደቐ፡ እቲ እሾዅ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ። 8 - ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቘለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፡ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ።

9 - ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 10 - ንሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 11 - እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፡ እቲ ዘርኢ ቓል ኣምላኽ እዩ። 12 - እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። 13 - እቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ። 14 - እቲ ኣብ እሾዂ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን። 15 - እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዐቚርዎ፡ ብትዕስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም።

16 - ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕ ቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን። 17 - ዘይገሀድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስውር ከኣ የልቦን። 18 - እምብኣርከ ንዘለዎ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ።

19 - ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። 20 - ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 21 - ንሱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገብርዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም።

22 - ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፡ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን። 23 - ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሐዞም። 24 - ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። 25 - ሽዑ፡ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፡ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሀሉ ተደነቑ።

26 - ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ። 27 - ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። 28 - ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፡ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 29 - ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሓዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቚሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሀለው የብሎ ነበረ። 30 - የሱስ ከኣ፡ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ለጌዎን፡ በለ። 31 - ናብ መዓሙቚ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። 32 - ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም። 33 - እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጻድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ። 34 - እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሀደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። 35 - እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። 36 - እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየ፡ ነገርዎም። 37 - እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ። 38 - እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ 39 - ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ።

40 - ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኲሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቐበልዎ። 41 - እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ። 42 - ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ።

43 - እንሃ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኲሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን። 44 - ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። 45 - የሱስ ከኣ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኲሎም፡ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዀይኑ፡ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕጡኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፡ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። 46 - የሱስ ግና፡ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ ኣሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ፡ በሎ። 47 - እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሐብኤት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየት፡ ነገረቶ። 48 - ንሱ ኸኣ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።

49 - ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጾ። 50 - የሱስ ሰሚዑ፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51 - ኣብታ ቤት ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። 52 - ኲሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፡ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ። 53 - ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሐቕዎ። 54 - ንሱ ኸኣ ንዂሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ብኢዱ ሒዙ ዐው ኢሉ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ በለ። 55 - ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤት፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ። 56 - ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።




9ይ ምዕራፍ

1 - ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦም። 2 - መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም። 3 - በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሀሉኹም። 4 - ኣብታ ዝኣተኹምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ። 5 - ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ። 6 - ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዘሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኲሉውን የሕውዩ ነበሩ።

7 - ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብእኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋላወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ 8 - ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። 9 - ሄሮድስ ከኣ፡ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ኪርእዮውን ይደሊ ነበረ።

10 - ሃዋርያት ድማ ምስ ተመልሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ-ሳይዳ እትብሀል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። 11 - እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዐብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም። 12 - ምድሪ ኺመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፡ ኣብዚ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ኪሐድሩ ዚብላዕውን ኪረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 13 - ንስኻትኩም ዚብላዕ ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዂሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ። 14 - ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም። 15 - ከምኡ ገበሩ ንዂሎምውን ኣቐመጥዎም። 16 - ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኼቕርቡሎም ሀቦም። 17 - ኲሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ።

18 - ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፡ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም። 19 - ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። 20 - ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 21 - ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፡ 22 - ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ኪነዐቕን ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም። 23 - ንዂሎም ከኣ፡ ደድሕርይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። 24 - ምድሓን ንፍሱ ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍእ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ። 25 - ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ 26 - ብኣይን ብቓለይን ዚሐፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ኪመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኺሐር እዩ። 27 - ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

28 - ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 29 - ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳውንቱውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። 30 - እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛረቡ ነበሩ። 31 - ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። 32 - ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለውን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ። 33 - ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዚብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። 34 - ንሱ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። 35 - ካብቲ ደበና ድማ፡ እቲ ዝሐሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 36 - እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ንየሱስ በይኑ ረኸብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቕነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን።

37 - ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። 38 - እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨርሔ። 39 - እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠርዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቐጥቀጦ ብጻዕሪ ይሐድጎ። 40 - ንደቀ መዛሙርትኻ ኼውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። 41 - የሱስ ከኣ፡ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጽኣዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 42 - ንሱ ኺመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሀቦ። 43 - ኲላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኲላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዂሉ ኼስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ 44 - ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪወሀብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትውዎ፡ በሎም። 45 - ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዐልዋን፡ ከየስተብሀልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሐትዎዉን ፈርሁ።

46 - ካባታቶምሲ መኖም ከም ዚዐቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም። 47 - የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፡ 48 - ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኲልኹም ዚንእስ፡ ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ።

49 - ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዐበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50 - የሱስ ከኣ፡ ዘይካራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ።

51 - ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገሩ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ። 52 - ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ኬዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሰማርያ ኣተዉ። 53 - ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን። 54 - እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። 55፡56 - ምልስ ኢሉ፡ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ኬድሕን እምበር፡ ኬጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ።

57 - ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፡ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዂሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ። 58 - የሱስ ከኣ፡ ንወኻሩ ጒድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ። 59 - ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 60 - የሱስ ድማ፡ ምውታት ንምውታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። 61 - ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። 62 - የሱስ ግና፡ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።




10ይ ምዕራፍ

1 - ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2 - በሎም ከኣ፡ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ። 3 - መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። 4 - ማሕፋዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። 5 - ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን፡ በሉ። 6 - ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኣ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። 7 - ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8 - ኣብ ዝኣቶኹምዎ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ። 9 - ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም። 10 - ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባያ ወጺእኩም፡ 11 - እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም ኣሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ፡ በሉ። 2 - በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም ኣሎኹ።

13 - ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን። 14 - ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ኪቐልል እዩ። 15 - ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኸï፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። 16 - ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።

17 - እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። 18 - በሎም፡ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። 19 - እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኲሉ ሓይሊ ጽላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን። 20 - ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ።

21 - በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ፡ በለውን፡ ኣቦይ ጐያ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 22 - ኲሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ በዝይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 23 ፡ 24 - ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

25 - እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ። 26 - ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ከመይሲ ተንብብ፡ በሎ። 27 - ንሱ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓይልኻን ብዂሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 28 - ንሱ ኸኣ፡ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። 29 - ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፡ ብጻየይከ መን እዩ፧ በሎ። 30 - የሱስ መሊሱ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምውት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31 - ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። 32 - ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። 33 - ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። 34 - ናብኡ ቐሪቡ ኣቚሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። 35 - ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፡ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ፡ በሎ። 36 - ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ 37 - ንሱ ድማ፡ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።

38 - ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39 - ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። 40 - ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። 41 - የሱስ ድማ፡ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጒህይን ኣሎኺ። 42 - እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ።




11ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮም፡ ምጽላይ ምሀረና፡ በሎ። 2 - ንሱ ኸኣ በሎም፡ ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 3 - ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበና። 4 - ንሕና ንዝበደሉና ዂሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ፡ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ።

5 ፡ 6 - በሎም ድማ፡ መን እዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ፡ ፈታዊ ኻብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ 7 - እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጒሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ። 8 - ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 9 ፡ 10 - ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺወሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11 - ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ 12 - ወይስ እንቋቚሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ 13 - እምብኣርሲ ስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧

14 - ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ። 15 - ገሊኦም ግና፡ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 16 - ካልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። 17 - ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፈላለየት፡ ትወድቕ እያ። 18 - ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፋላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 19 - ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። 20 - ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት። 21 - እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን። 22 - ካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዐሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ። 23 - ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ። 24 - ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። 25 - ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። 26 - ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ኻልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ።

27 - ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰብይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፡ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ብጹኣን እየን፡ በለቶ። 28 - ንሱ ግና፡ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልዉዎን ደኣ እዮም፡ በላ።

29 - እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ኪብል ጀመረ፡ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሀቦን። 30 - ከምቲ ዮናስ ንስብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ። 31 - ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽ ትኵንኖም እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ። 32 - ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዂንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ ኣሎ።

33 - ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃኑ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን። 34 - ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን። 35 - እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። 36 - ኲሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነ፡ ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃን ዜብርሃልካ፡ ኲሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ።

37 - ኪዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 38 - እቲ ፈሪሳዊ ቕድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። 39 - ጐይታ ኸኣ በሎ፡ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። 40 - ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባኑ ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ 41 - ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ህቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዂሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።

42 - ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኲሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ። 43 - ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 44 - ኣቱም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ከም ዘይርኤን፡ ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሉኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።

45 - ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፡ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና ኣሎኻ፡ በሎ። 46 - ንሱ ኸኣ በለ፡ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 47 - ንስኻትኩም መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኣሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። 48 - ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኣሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ ኣሎኹም። 49 - ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፡ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሓያሎ ኻባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጒዎምን ኣለዉ። 50 ፡ 51 - ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኸïድለ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 52 - ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።

53 - እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩ። 54 - ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፉ ደልዮም እናተጻናተዉ ብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ።




12ይ ምዕራፍ

1 - ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸïብሎም ጀመረ፡ ቅድሚ ዂሉ ኻብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ። 2 - ግናኸ ስውር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። 3 - ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሽጢ ብሕሽዂሽዂ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎ ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበኽ እዩ። 4 - ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም ኣሎኹ፡ ስጋ ንዚቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ንዜብሎም ኣይትፍርህዎም። 5 - ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፡ ነቲ፡ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍሩ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 6 - ሓሙሽተ ዕፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። 7 - ንስኻትኩምሲ ዂለን ጸጒሪ ርእስኹም እኳ ቚጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። 8 - ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዂሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። 9 - እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚኽሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 - ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዂሉ ኸኣ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። 11 ፡ 12 - ናብ ኣባይቲ ጸሎትን ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ።

13 - ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፡ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። 14 - ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧ በሎ። 15 - ንሱ ኸኣ፡ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኲሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። 16 - ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። 17 - ብልቡ ኸኣ፡ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። 18 - ንሱ ድማ፡ ከምዚ እገብር፡ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኲሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። 19 - ንነፍሰይውን፡ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ኣሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። 20 - ኣምላኽ ግና፡ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። 21 - እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ።

22 ፡ 23 - ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ እብልኩም ኣሎኹ። 24 - ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፡ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዐጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። 25 - ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቚመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ 26 - እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧ 27 - ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዪ ኣስተብህሉ፧ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 28 - ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ 29 - ንስኻትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትደለዩን ኣይትጨነቑን። 30 - ነዚ ዂሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ዂሉ ዜድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጦ እዩ። 31 - መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዂሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ። 32 - ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። 33 ፡ 34 - ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሀቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፋዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።

35 - ሓቛቚኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። 36 - ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። 37 - እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 38 - ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። 39 - ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 40 - ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።

41 - ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ ወይስ ንዂሉ ኢኻ፧ በሎ። 42 - ጐይታ ኸኣ በለ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ 43 - እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። 44 - ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 45 - እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡ 46 - ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኺገብሮ እዩ። 47 - እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ኺግረፍ እዩ። 48 - እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሀብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም።

49 - ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሎኹ፧ 50 - ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይጸበኒ። 51 - ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 52 - ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለስተ ኺፋላለዩ እዮም። 53 - ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ። ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።

54 - ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፡ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። 55 - ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፡ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። 56 - ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧ 57 - ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፡ 58 - ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድካ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይሀበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል። 59 - እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፧ እብለካ ኣሎኹ።




13ይ ምዕራፍ

1 - በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። 2 - የሱስ መሊሱ በሎም፡ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኲሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ 3 - ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 4 - ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዂሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩ፧ 5 - ኣይፋሎም፡ እነ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኲላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ።

6 - እዚ ምስላዚ ኸኣ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። 7 - ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኸብኩላን። ቊረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተበላሹ ኣላ፧ በሎ። 8 - ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዂስኲሳ፡ ድኸùዒ ኽሳዕ ዝድኲዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። 9 - ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

10 - ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። 11 - እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጕቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። 12 - የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። 13 - ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ። 14 - እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝበ፡ ኪዕየየን ዚጋእ ሹድሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምብኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም። 15 - ጐይታ ግና፡ ኣታ ግቡዝ፡ ካባኻትኹምከ ዂሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ 16 - እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ኻብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመኦኣልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ። 17 - እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዂሎም ሓፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዂሉ መስትንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሐጐሰ። 18 - ድሕርዚ በለ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧ 19 - ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ። 20 - ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ 21 - ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ እያ እትመስል፡ በለ።

22 - ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን እናመሀረ ይመላለስ ነበረ። መገዱ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕኒዑ ነበረ። 23 - ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧ በሎ። 24 - ንሱ ኸኣ በሎም፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። 25 - ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰልኩም እዩ። 26 - ሽዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ ባሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። 27 - ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዂላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኪብል እዩ። 28 - ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዂሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 29 - ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 30 - እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ።

31 - በታ ጊዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ። 32 - ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፡ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውደእ ኣሎኹ። 33 - ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጻባሕን ክመላለስ ይግብኣኒ እዩ፡ በልዋ። 34 - የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ድርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝይደሌኹ እሞ ኣቤኸêም። 35 - እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ።




14ይ ምዕራፍ

1 - ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓላቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ኺበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 2 - እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሔ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3 - የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፡ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም። 4 - ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን። 5 - መሊሱ ድማ በሎም፡ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቐ፡ ብእኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧ 6 - ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ።

7 - ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረኣየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ 8 - ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዐደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ 9 - እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፡ እዛ ስፍራ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ፡ ኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። 10 ፡ 11 - ርእሱ ዜዕቢ ዂሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ፡ እንተ ተዐደምካ፡ እቲ ዝዐደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዂሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ።

12 - ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፡ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። 13 - ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። 14 - ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ፡ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

15 - ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ። 16 - ንሱ ኸኣ በሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፡ ንብዙሓትውን ዐደመ። 17 - ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ፡ ኪብሎም ባርያኡ ለኣኸ። 18 - ኲሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፡ ግራት ዐዲገ ኣሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 19 - እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዐዲገ ኣሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምንካ ኣሎኹ፡ በሎ። 20 - እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ሰበይቲ ኣእትየ ኣሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ አሎ። 21 - እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ፡ በሎ። 22 - እቲ ባርያ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ስፍራ ድማ ግና ኣሎ፡ በሎ። 23 - እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጽእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ። 24 - ካብቶም እተዐደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።

25 - ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም፡ 26 - ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። 27 - መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን። 28 - 30 - ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዂሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ እዩ፧ 31 - ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧ 32 - እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። 33 - ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዘበለ ዂሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። 34 - ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው፡ መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ 35 - ንወጻኢ ይጒሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።




15ይ ምዕራፍ

1 - ኲሎም ተገውትን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። 2 - ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፡ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጒረምረሙ።

3 - እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ 4 - ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ 5 - ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሐጐሰ ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ። 6 - ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፡ ነታ ዝጠፍአትኒ በጊዔይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሱ፡ ይብሎም። 7 - ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።

8 - ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ፡ ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ፡ ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዂስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ 9 - ምስ ረኸበታ ድማ፡ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሐጐሳ፡ ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዔን። 10 - ከምኡ ድማ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።

11 - በለ ድማ፡ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12 - እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፡ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሀበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። 13 - ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዂሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። 14 - ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። 15 - ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዐለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። 16 - ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። 17 - ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፡ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ። 18 - ተንስኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። 19 - ደጊም ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። 20 - ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ። 21 - እቲ ወዲ ድማ፡ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። 22 - ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። 23 ፡ 24 - እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።

25 - እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀርበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። 26 - ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። 27 - ንሱ ኸኣ፡ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪዱሉ፡ በሎ። 28 - ንሱ ግና ኰረየ፡ ምእታውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። 29 - ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሀብካንን። 30 - እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። 31 - ንሱ ኸኣ፡ ወደይ፡ ንስኻስ ኲሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32 - እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ፡ በሎ።




16ይ ምዕራፍ

1 - ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፡ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፡ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ። 2 - ጸዊዑ ኸኣ፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሀበኒ፡ በሎ። 3 - እቲ ኣዛዝ ኸኣ ብልቡ፡ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ 4 - ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዐረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 5 - ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፡ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣሎካ፡ በሎ። 6 - ንሱ ኸኣ፡ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። 7 - ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፡ ንስኻኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፡ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፡ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። 8 - ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጾኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዘገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ። 9 - ኣነ ኸኣ፡ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኸêምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10 - ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። 11 - እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ 12 - ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧ 13 - ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

14 - እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዂሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። 15 - በሎም ድማ፡እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። 16 - ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኲሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ። 17 - ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቚጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልል። 18 - ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

19 - ቀይሕ ክዳንን ክቡር በፍታን ዚኽደን፡ ኲሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20 - ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን ብቚስሊ ተወሩሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። 21 - ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቊስሉ ይልሕሱ ነበሩ። 22 - ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቚፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። 23 - ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቚፉ ረኣዮ። 24 - ጸዊዑ ኸኣ፡ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሐረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። 25 - ኣብርሃም ግና፡ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። 26 - ምስናይ እዚ ዂሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ። 27 ፡ 28 - ሽዑ ንሱ፡ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። 29 - ኣብርሃም ድማ፡ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። 30 - ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በለ። 31 - ንሱ ድማ፡ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።




17ይ ምዕራፍ

1 - ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ። 2 - ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባህሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ። 3 - ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕስሰ፡ ሕደገሉ። 4 - ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።

5 - ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፡ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። 6 - ጐይታ ኸኣ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። 7 - ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፡ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመት፡ ዚብሎ መን ኣሎ፧ 8 - ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዐጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፧ 9 - ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። 10 - ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዂሉ ምስ ገበርኩም፡ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።

11 - ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ። 12 ፡ 13 - ናብ ሓንቲ ዓዲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሐረና፡ በልዎ። 14 - ንሱ ርእይዎም፡ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ። በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ። 15 - ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመልሰ። 16 - እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። 17 - የሱስ ግና፡ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፡ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ 18 - ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እትመልሰዶ የልቦን፧ ኢሉ መለሰ። 19 - ደሓር ከኣ፡ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።

20 ፡ 21 - ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።

22 - ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፡ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። 23 ፡ 24 - መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልኣ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቱ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ኪብሉኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዐብዎምውን። 25 - ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዚውን ኪነዐቕ ብግዲ እዩ። 26 - ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። 27 - ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትውን የተኣታትዉን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዂሎምውን ኣጥፍኤ። 28 - ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፡ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡ ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ። 29 - በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዂሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። 30 - በታ ወዲ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 31 - በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኺወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ። 32 - ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። 33 - ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ። 34 - በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኸïውሰድ፡እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። 35 - ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ኪጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ። 36 - ክልተ ኣብ ወፍሪ ኺጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 37 - መሊሶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፡ ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኺእከቡ እዮም፡ በሎም።




18ይ ምዕራፍ

1 - ከይቀበጹ ዂሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ ፡ ብምስላ ተዛረቦም ፡ ከምዚ ኢሉ ፡ 2 - ኣብ ሓንቲ ኸተማ ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ ። 3 - ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት ፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ ፡ ምስ እዚ መባእስትይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ ፡ ትብሎ ነበረት ። 4 - እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ ። ድሕርቲ ግና ብልቡ ፡ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ ፡ 5 - እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየኒስ ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ ፡ በለ ። 6 - ጐይታ በለ ፡ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ ። 7 - ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ ፧ ይጽመሞዶኸ ፧ 8 - ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና ፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ ፧

9 - ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፡ 10 - ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11 ፡ 12 - እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ኸምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13 - እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። 14 - ርእሱ ልዕል ዜብል ኲሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጻዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም ኣሎኹ።

15 - ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። 16 - የሱስ ግና ጸዊዑ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ ኣይትኸልክልዎም። 17 - ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

18 - ሓደ መራሒ ድማ፡ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። 19 - የሱስ ከኣ፡ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፧ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን። 20 - ነተን፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ። 21 - ንሱ ኸኣ፡ ነዚ ዂሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በለ። 22 - የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፡ ዘሎካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዐበኒ፡ በሎ። 23 - ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሀየ። 24 - የሱስ ዝቡሕ ምጒሃዩ ርእዩ፡ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25 - ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ በለ። 26 - እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፡ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፧ በሉ። 27 - ንሱ ኸኣ፡ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣሎ እዩ፡ በሎም። 28 - ሽዑ ጴጥሮስ፡ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዂሉ ሐዲግና ስዒብናካ ኣሎና፡ በሎ። 29 ፡ 30 - ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

31 - ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዂሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። 32 - ነግዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፡ 33 - ገሪፎም ድም ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። 34 - ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዐሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።

35 - ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕውር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 36 - እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፡ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተ። 37 - የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሐልፍ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 38 - ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ጨርሔ። 39 - እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሔ። 40 ፡ 41 - የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ። 42 - የሱስ ድማ፡ ርኤ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። 43 - ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዐቦ። እቶም ህዝቢ ዂሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።




19ይ ምዕራፍ

1 - የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእአ ሐለፈ። 2 - እንሆ፡ ዘኼዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ። 3 - ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ። ቊመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ፡ ምኽኣል ሰኣነ። 4 - ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ። 5 - የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፡ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ። 6 - ቀልጢፉ ወረደ ተሐጒሱውን ተቐበሎ። 7 - እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኲላቶም ኣዕዘምዘሙ። 8 - ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዐመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ። 9 ፡ 10 - የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት እዚኣ ምድሓን ኰነላ፡ በሎ።

11 - ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሀድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ። 12 - ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13 - ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሀቦም። 14 - ድቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ። 15 - ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሀቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። 16 - እቲ ቐዳማይ፡ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ። 17 - ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 18 - እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ። 19 - ነዚ ድማ፡ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 20 ፡ 21 - ሓደ ኻልእ ድማ፡ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቊራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። 22 - ንሱ ድማ፡ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዐጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡ 23 - ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። 24 - ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሀብዎ፡ በሎም። 25 - ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ። 26 - ንሱ ድማ፡ ንዘለዎ ዘበለ ኺውሀቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኸòግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 27 - ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ።

28 - እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ደፍኤ።

29 - ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተ-ፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ምስ ቀርበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 30 - ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ። 31 - ሓደ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ ኢሉ እንተ ሐተተኩም ከኣ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ። 32 - እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ። 33 - ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፡ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ በልዎም። 34 - ንሳቶም ድማ፡ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎም። 35 - ናብ ይሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። 36 - ንሱ ኺኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። 37 - ናብ መወዳእታ ቚልቊል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረቡ፡ ኲሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዂሉ ሓይልታት ኪሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኼመስግንዎ ጀመሩ እሞ፡ 38 - ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 39 - ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሐዮም፡ በልዎ። 40 - ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።

41 - ምስ ቀረበን ነታ ኸተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፡ 42 - ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። 43 - ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። 44 - ዘመን ምሕረትኪ ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።

45 - ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡን ዚሻየጡን፡ 46 - ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ኬውጽእ ጀመረ።

47 - ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 48 - ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዐስሎ ነበረ እሞ፡ ዚገብርዎ ሰኣኑ።




20ይ ምዕራፍ

1 - ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህሮም ወንጌልውን ኪሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም፡ 2 - በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 3 - ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ፡ 4 - ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም። 5 - ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። 6 - ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኲሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኺጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሐስቡ ስለ ዝነበሩ፡ 7 - ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ፡ መለሱሉ። 8 - የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብሮ፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።

9 - ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኺነግሮም ጀመረ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ኪድንጒ ናብ ካልእ ሃአር ከደ። 10 - ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኺህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 11 - ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቒዖም፡ ኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 12 - መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቚሲሎም ንወጻኢ ሰጐጒዎ። 13 - እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ በለ። 14 - እቶም ዓየይቲ ግና ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶ፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንዑ ንቕተሎ፡ ኢሎም ተማኸሩ። 15 - ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ፧ 16 - መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑ፡ ያእ፡ ኣይግበሮ፡ በሉ። 17 - ንሱ ግና ጠሚትዎም፡ እቲ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዚብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧ 18 - ኣብቲ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኺስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ኪጭፍለቕ እዩ፡ በለ።

19 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረበ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ። 20 - ተጻናትዮም ብዘረባ ኺሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኺህብዎ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም ዚጻናጸኑ ሰደዱ። 21 - ንሳቶም ከኣ፡ መምህር፡ ብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን፡ ንፈልጥ ኣሎና። 22 - ንቂሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሐተትዎ። 23 - ንሱ ግና ጒርሖም ፈሊጡ፧ ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ 24 - እቲ ዲናር ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ አን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ናይ ቄሳር በሉ። 25 - ንሱ ድማ፡ እምብኣርሲ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም። 26 - ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኺሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪማም ኣጽቀጡ።

27 - ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሐተትዎ፡ 28 - ከምዚ ኢሎም፡ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ ሓው ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓው ሓድጊ የቚመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና። 29 - እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ። 30 - እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ። 31 - እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ፡ ከምኡውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሐደጉ ሞቱ። 32 - መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት። 33 - እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 34 - የሱስ ከኣ በሎም፡ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም። 35 ፡ 36 - እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምዃኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። 37 - ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ። 38 - ንእኡ ዂሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። 39 - ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ኢሎም መለሱሉ። 40 - ድሕርዚ ገለ ኺሐትዎ እኳ ኣይደፈሩን።

41 - 43 - ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢኦም ደኣ እዮም፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፡ ዝብሉ፧ 44 - እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ውዱ ይኸውን፧ በሎም።

45 - ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኺሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ 46 - ወለል ብዚብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዚፈትዉ ጻሓፍቲ ተጠንቀቑ። 47 - እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም።




21ይ ምዕራፍ

1 - ቊሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረኣየ። 2 - ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረኣየ እሞ፡ 3 - ካብ ኲላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4 - እዚኣቶምሲ ዂላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዂሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።

5 - ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡ 6 - እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ። 7 - ንሳቶም ከኣ፡ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፧ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 8 - ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ደድሕሪኦም ኣይትስዐቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። 9 - ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።

10 - ሽዑ በሎም፡ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። 11 - ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ። 12 - ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጒኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማምትን ኬብጽሑኹም እዮም። 13 - እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ። 14 ፡ 15 - ኣነ ንዂሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ብኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 16 - ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህበኹም፡ ካባኻትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም። 17 - ስለ ዝመይ ከኣ ኲሉ ኺጸልኣኩም እዩ። 18 - ግናኸ ኻብ ርስትኹም ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19 - ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።

20 - የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። 21 - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። 22 - እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ። 23 - በተን መዓልታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብብዋን ወይልኤን። ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ። 24 - ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኲሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም በህዛብ ክትረግጽ እያ። 25 - ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። 26 - ሓይሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። 27 - ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። 28 - እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።

29 - ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፡ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኲሉ ኦምን ርኣዩ። 30 - ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 31 - ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ክትርእዩ ኸሎኸêም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። 32 - እዚ ዂሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 33 - ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

34 ፡ 35 - ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። 36 - ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኲሉ ነገር ንምምላቚን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኲሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።

37 - መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ። 38 - ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኺሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።




22ይ ምዕራፍ

1 - ፋስጋ ዚበሀል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። 2 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።

3 - ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆርታዊ ዚብሀል ይሁዳ አተወ፡ ንሱ ኻብ ቁጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡ 4 - ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞ ተዛረበ። 5 - ተሐጒሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህበኦ ኣውዐሉሉ። 6 - ንሱ ድማ ተሰማምዖም፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

7 - እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት። 8 - የሱስ ድማ ንጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ኪዱ፡ ኪንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም። 9 - ንሳቶም ከኣ፡ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፡ በልዎ። 10 - ንሱ ድማ በሎም፡ እንሆ፡ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዐብዎ። 11 - ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፡ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፡ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 12 - ንሱ ኸኣ እተነጸረ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ። 13 - ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።

14 - እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 15 ፡ 16 - ንሱ ድማ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። 17 ፡ 18 - ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ በለ። 19 - እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ እዚ ምእንታኹም ዚወሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሀቦም። 20 - ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይእተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። 21 - ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ። 22 - ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ። 23 - ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪመራመሩ ጀመሩ።

24 - መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸምዝርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። 25 - ሽዑ ንሱ በሎም፡ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሀሉ። 26 - ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። 27 - እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜገልግልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፡ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ። 28 - ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። 29 ፡ 30 - ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንስግስቲ መደብኩልኩም።

31 - ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነይ። 32 - ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። 33 - ንሱ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣሎኹ፡ በሎ። 34 - ንሱ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።

35 - ደሓር ከኣ፡ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳኢኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሓንቲ እኳ፡ በሉ። 36 - በሎም፡ ሕጂ ግና ማሕፋዳ ዘለዎ ይማላእ፡ ከምኡውን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኡ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ 37 - ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም ኣሎ። 38 - ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ፡ በሉ። ንሱውን፡ ይኣክል፡ በሎም።

39 - ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ስዐብዎ። 40 - ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም። 41 - ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፡ 42 - ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። 43 - ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። 44 - ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። 45 - ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም። 46 - ንሱ ኸኣ፡ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም።

47 - ንሱ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዚብሀል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ኪስዕሞ ቐረበ። 48 - የሱስ ድማ፡ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ ኣሎኻ፧ በሎ። 49 - እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ። 50 - ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። 51 - የሱስ ከኣ፡ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ። 52 - የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፡ ከም ናይ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፧ 53 - ኣብ ቤት መቕደስ ኲሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም።

54 - ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። 55 - ኣብ ማእከል እቲ መካበብያ ኸኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። 56 - ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፡ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት። 57 - ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኸሐደ። 58 - ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፡ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ። 59 - ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሐለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፡ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ። 60 - ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ኺዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ። 61 - ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡ 62 - ናብ ወጻኢ ኸይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ።

63 - እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ሰባት ድማየላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። 64 - ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፡ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፧ እናበሉውን ይሐትዎ ነበሩ። 65 - እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ።

66 ፡ 67 - ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፡ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፡ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ 68 - እንተ ሐተትኩኹም ድማ፡ ኣይትመልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም። 69 - ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ፡ በሎም። 70 - ኲሎም ከኣ፡ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም። 71 - ንሳቶም ከኣ፡ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ።




23ይ ምዕራፍ

1 - እቶም እተኣከቡ ዂላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። 2 - ንሳቶም ከኣ፡ እዚ፡ ንህዝብና ኼስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም፡ ርእሱ፡ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ኪኸስዎ ጀመሩ። 3 - ጲላጦስ ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4 - ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን፡ በሎም። 5 - ንሳቶም ግና፡ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሀረ ንህዝቢ የባዕድ ኣሎ፡ ኢሎም ወዐዩ። 6 - ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኺብሉ ምስ ሰምዔ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሐተተ። 7 - ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ።

8 - ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዔ፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዚገበሮ ተኣምራትውን ኪርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሐጐሰ። 9 - ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሐተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። 10 - ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። 11 - ሄሮድስ ድማ ምስ ገላውኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ። 12 - ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ።

13 - ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፡ 14 - ነዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኸስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። 15 - ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። 16 - ደጊም ቀጺዔ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም። 17 - በብበዓል ግና ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልማድ ነበረ። 18 - እቶም ህዝቢ ድማ ኲሎም፡ ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና፡ ኢሎም ሐቢሮም ጨደሩ። 19 - በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ነፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። 20 - ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ኪሰዶ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም። 21 - ንሳቶም ግና፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ። 22 - ሳልሳይ ጊዜ ኸኣ፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፡ ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ፡ በሎም። 23 - ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ኪሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዐረ። 24 - ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ኪዀነሎም ፈረደ። 25 - ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሀቦ።

26 - ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ኻብ በረኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ሐዝዎ። ደድሕሪ የሱስ ኪጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ። 27 - ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። 28 ፡ 29 - የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፡ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዝየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። 30 ፡ 31 - ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን።

32 - ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኺስቀሉ ኣምጽእዎም።

33 - ቀራንዮ ኣብ እትብሀል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቐልዎ። 34 - የሱስ ድማ፡ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለአ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። 35 - እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፡ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። 36 ፡ 37 - እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። 38 - ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፡ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ።

39 - ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። 40 - እቲ ኻልኣዩ ግና፡ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ርዲ ኸሎኻኸ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ 41- ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍኣት እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። 42 - ንየሱስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። 43 - የሱስ ድማ፡ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።

44 - ካብ ጊዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። 45 - ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 46 - የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቊባ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጨርሔ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። 47 - እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። 48 - እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ። 49 - እቶም ዚፈልጥዎ ዂሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዐባኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ።

50 ፡ 51 - እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። 52 - ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። 53 - ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞ፡ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ። 54 - መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት። 55 - እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ኸመይ ከ እተነብረን ረኣያ። 56 - ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዐረፋ።




24ይ ምዕራፍ

1 - በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ። 2 - እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። 3 - ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። 4 - ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። 5 - ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፡ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፧ 6 ፡ 7 - ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሀብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። 8 - ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። 9 - ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዂሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኲሎምን ነገራኦም። 10 - እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። 11 - እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። 12 - ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ።

13 - እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሀል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14 - ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዂሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። 15 - ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። 16 - ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። 17 - ንሱ ድማ፡ እዚ፡ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። 18 - እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፡ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 19 - ንሱ ኸኣ፡ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፡ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኲሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ 20 - ሊቃውንቲ ኻህናትናን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሀብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ 21 - ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዂሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22 - ግናኸ ኻባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። 23 - ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። 24 - ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። 25 - ንሱ ድማ፡ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዂሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ፡ 26 - ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። 27 - ካብ ሙሴን ኲሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኲሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጒመሎም ጀመረ። 28 - ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ። 29 - ንሳቶም ግና፡ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዐሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ። 30 - ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሀቦም። 31 - ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 32 - ንሓድሕዶም ከኣ፡ እቲ ኣብ መኣዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጒመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧ ተባሃህሉ። 33 - በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም። 34 - ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። 35 - እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም።

36 - እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 37 - ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። 38 - ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧ 39 - ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። 40 - እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41 - ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ሰለ ዝሰኣኑ፡ ሱ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፧ በሎም። 42 - ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሀብዎ። 43 - ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ።

44 - ንሱ ድማ፡ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዂሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። 45 - ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፡ 46 - ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምውታት ኪትንስእ፡ 47 - ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። 48 - በዚ ንስኻትኩም መስክር ኢኹም። 49 - እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።

50 - ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። 51- ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ። 52 - ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 53 - ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።



AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>