Ebrawyan

መል. እ/ውያን

1ይ ምዕራፍ

1 - ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ 2 - ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡ 3 - ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኲሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ። 4 - ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዚበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸል 5 - እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ? ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣነ ኣቦ እዀኖ፡ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ፡ ዝበሎ? 6 - ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ በዂሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ፡ ኲላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይሰግዱሉ፡ ይብል። 7 - ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳት፡ ኣገልገልቱውን ሃልሃታ ሓዊ ዚገብር፡ ይብል። 8 - ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣታ ኣምላኸይ። ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡ 9 - ጽድቂ ፈቶካ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል። 10 - ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11 - እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኲሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። 12 - ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል። 13 - እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ ዝበሎ? 14 - ኲሎምዶ፡ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን?




2ይ ምዕራፍ

- ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። 2 - እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዚጸንዕ፡ ኲሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል፡ 3 ፡ 4 - ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቚ ይከኣለና?

5 - ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘሎና እትመጽእ ዓለምሲ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን። 6 - ግናኸ ሓደስ እኳ ኣብ ሓደ ስፍራ መስኪሩ ኣሎ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሰብ፡ ንስኻ ኽትዝክሮ፡ እንታይ እዩ? ወይስ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ኽትኣልዮ፡ እንታይ እዩ? 7 - ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ኣኽሊል ክብርን ግብርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ። 8 - ንዂሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ። ንዂሉ ኼግዝአሉ ኸሎ፡ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሐደገን። ግናኸ ኲሉ ኸም ዚግዝኦ፡ ንሕና ገና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና። 9 - ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዂሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ ኣሎና። 10 - እቲ ዂሉ ምእንታኡ ዂሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽም ተገብኦ። 11፡12 - ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኲላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ። 13 - ደጊም ኸኣ፡ ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ እሞ፡ ከም ብሓድሽውን፡ እኔኹ፡ ኣነን እቶም ኣምላኽ ዝሀበኒ ውሉድን፡ ይብል።

14 - 16 - እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። 17 - ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዂሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመልሶም ተገብኦ። 18 - ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከኣሎ እዩ።




3ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኹም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናብ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። 3 - ከምቲ እቲ ስራሕ ቤት ካብቲ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ተገቢእዎ ኣሎ። 4 - ቤት ዘበለትሲ ስራሒኣ ኣለዋ፡ እቲ ንዂሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ። 5 - ሙሴስ ብዛዕባ እቲ ደሓር ኪንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኲላ ቤቱ እሙን ነበረ፡ 6 - ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና።

7 - ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ 8 - ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። 9 - ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዐዘቡ ፈተኑኒ፡ ግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ። 10 - ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ዀሬኸêሉ እሞ፡ ኲሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን፡ በልኩ። 11 - ብቚጥዓይ ድማ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ መሐልኩ።

12 ፡ 13 - ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሀል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዐሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ። 14 - ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሐዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣሎና። 15 - ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ እናተባህለ፡ 16 - ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም? እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዂላቶም ደይኰኑን? 17 - ንንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎም፡ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን? 18 - ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ? ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን? 19 - ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን፡ ንርኢ ኣሎና።




4ይ ምዕራፍ

1 - እምኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። 2 - ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተነጊሩልና ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቕሞምን። 3 - ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቚጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። 4 - ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኲሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ፡ ኢሉ ኣሎ። 5 - ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ። 6 - እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ 7 - ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎም ብምባሉ ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ ኣሎ። 8 - እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።

9 ፡ 10 - እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዐረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዐሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። 11 - ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣይ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጋደል። 12 - ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጒዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። 13 - እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዂሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን።

14 ፡ 15 - ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዂሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና፡ ምእማንና ነጽንዕ። 16 - ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።




5ይ ምዕራፍ

1 - ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኸïስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም፡ 2 - ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቚርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ዚኽእል እዩ፡ 3 - ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ተገብኦ። 4 - ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ። 5 - ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽበሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። 6 - ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከ ጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል። 7 - ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከኣሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ 8 - ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። 9 ፡ 10 - ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።

11 - ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። 12 - ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። 13 - ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዂሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። 14 - ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።




6ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። 3 - ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና። 4 - ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሀሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዐሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ 5 - እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዐሙ፡ 6 - እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግህዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከኣሎምን እዩ። 7 - እታ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዚሐርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሀበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ። 8 - እሾዂን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ።

9 ፡ 10 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሐይሽን ንምድሓን ብዚኸውንን ንእመን ኣሎና። 11 ፡ 12 - ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ፡ ንደሊ ኣሎና።

13 ፡ 14 - ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዐቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካን፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ። 15 - ከምኡ ኸኣ ብትዕግስቲ ተጸብዩ ነታ ተስፋ ረኸባ። 16 - ሰባት በቲ ኻልኦም ዚዐቢ እዮም ዚምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነ፡ ንዂሉ ምጒቶም ይውድኣሎም እዩ። 17 - ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዩ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ ኣተወ፡ 18 - በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣሎ ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሀዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። 19 ፡ 20 - ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተኣትወና ተስፋ ኣላትና።




7ይ ምዕራፍ

1 - እዚ መልክጼዴቅሲ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡ 2 - ኣብርሃም ድማ ካብ ኲሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጒም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። 3 - ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቊጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር ኣሎ።

4 - ኣብርሃም፡ እቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሀቦ፡ ንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩ። 5 - ካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቲ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ ኣለዎም። 6 - እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ። 7 - ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዐብዮ ይምረቕ እዩ። 8 - ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ። 9 - እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሀበ፡ 10 - ማለት፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ።

11 - እምብኣርስኸ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዚኸውንሲ፡ -እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሐጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡ -ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሀል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝዀነ ኺትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፡ 12 - ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ። 13 - እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን። 14 - ጐይታናስ ካብ ይሁዳ፡ ሙሴ ብናይ ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ። 15 - ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩ፡ ብተምሳል መልከጼዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዚትንስእሲ፡ 16 ፡ 17 - ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን።

18 - እቲ ዝሐለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡ 19 - ሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡- ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ፡ እትሐይሽ ተስፋ ኣተወት። 20 ፡ 21 - እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዐስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ -እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡- 22 - ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሔሸ ኺዳን ኰነ። 23 - እቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። 24 - እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት ኣለዎ። 25 - ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።

26 - ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈለየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። 27 - ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። 28 - ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም።




8ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዚመሰል ሊቀ ኻህናት ኣሎና። 3 - ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ እሞ፡ ስለዚ ነዚውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ብግዲ እዩ። 4 - እምብኣርከ ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ኻህን ኣይምዀነን ነይሩ፡ 5 - እቲኣቶም ናይታ ሰማያዊት ምስልን ጽላሎታን ዜገልግሉ፡ ንሙሴ፡ እቲ ድንኳን ኪገብር ኪደሊ ኸሎ፡ ብራእይ ከም እተባህለሉስ፡ ኲሉ ኸምታ ኣብ ከረን ዝርኤኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል፡ በሎ። 6 - ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሐይሽ ተስፋ እተስረተ፡ ዚበልጽ ኪዳንውን ከም ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዝበለጸ ኣገልግሎት ረኸበ። 7 - ነቲ ቐዳማይ ኪዳን መነቀፊ እንተ ዘይህልዎ፡ ነቲ ኻልኣይሲ ስፍራ ኣይምተደልዮን ነይሩ። 8 - ስለዚ ኸኣ እናነቐፎም ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 9 - ከምታ ብኢዶም ሒዘ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ፡ ኣነውን ሸለል በልክዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10 - ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11 ፡ 12 - ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዚፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢሉ ኣይኪምህርን እዩ። 13 - ሓድሽ ኪዳን ብምባሉ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ።




9ይ ምዕራፍ

1 - ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄር ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። 2 - ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብ፡ ቅድስቲ፡ እትብሀል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ። 3 - ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሀል ነበረት። 4 - ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን ብዂሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዚሕዝ ነበረ፡ 5 - ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ።

6 - እዚ ኸምዚ ዀይኑ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኲሉ ሳዕ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ድንኳን፡ ኣገልግሎቶም ኬብጽሑ፡ ይኣትዉ እዮም። 7 - ኣብቲ ኻልኣይ ግና እቲ ሊቀ ኻህናት በይኑ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ፡ ግናኸ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ። 8 - እቲ ቐዳማይ ድንኳን ገና ቘይሙ ኸሎ፡ እቲ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ ኣሎ። 9 - ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ፡ ከምኡ ገይሮም ነቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ብሕሊናኡ ፍጹም ኪገብሮ ዘይከኣሎ መባእን መስዋእትን የቕርቡ ኣለዉ። 10 - እዚ ምስ መባልዕን መስቴታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ።

11 - ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉስን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ 12 - ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። 13 - ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዂስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ 14 - ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ?

15 - በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝኸ÷ነ። 16 - ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ኪኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡ 17 - ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዜስልጥ የብሉን። 18 - ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን። 19 ፡ 20 - ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ፡እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዂሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጒርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኲሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። 21 - ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዂሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ። 22 - ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኲሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።

23 - እምብኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኺጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሔሸ መስዋእቲ ኺጸሪ ናይ ግዲ ነበረል 24 - ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። 25 - ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ንሱስ ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይኣተወን። 26 - ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ እተገልጸ። 27 - ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ 28 - ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።




10ይ ምዕራፍ

1 - ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመት ኲሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከኣሎን እዩ። 2 ፡ 3 - ግናኸ ኣብ ዐዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዚኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዚነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዐረፉን ነይሮም? 4 - ማለት፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ። 5 - ስለዚ ናብ ዓለም ኪኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን፡ 6 - ብዚሐርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእን ባህ ኣይበለካን። 7 - ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በልኩ። 8 - ኣብ ላዕሊ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም ዜቕርብዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ዚሐርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ ኣይደሌኻን ብእኡውን ባህ ኣይበለካን፡ ኢሉ፡ 9 - ደሓር ከኣ፡ እንሆ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በለ። ምእንቲ ነቲ ዳሕራይ ኬጽንዕ ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰዐሮ። 10 - በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣሎና።

11 - ካህን ዘበለ ዂሉ ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ ይቐውም እዩ እሞ ነቲ ሓጢኣት ኬርሕቖ ከቶ ዘይከኣሎ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ ኣሎ። 12 - 14 - ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። 15 - መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረልና ኣሎ፡ 16 - ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሳታቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ልቦም ክህቦም፡ ኣብ ሓሳቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ምስ በለ፡ 17 - ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እየ፡ ይብል። 18 - እምብኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕሬታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ኣየድልን እዩ።

19 ፡ 20 - ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡ 21 - ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዚህልወናስ፡ 22 - ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጽሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። 23 - እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። 24 - ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። 25 - እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኸêም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ። ኣኼባና ኣይንሕደግ።

26 ፡ 27 - ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። 28 - እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። 29 - ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸርፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም? 30 - ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕጊ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። 31 - ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ።

32 - ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ 33 - ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ 34 - ዚሐይሽን ዚነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ኸ÷ነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዐገስኩም። 35 - እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። 36 - ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። 37 - ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጒን ከኣ እዩ። 38 - ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። 39 - ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።




11ይ ምዕራፍ

1 - እምነት ግና ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። 2 - ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። 3 - ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ ኣሎና።

4 - ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእአ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገለ ብእኣ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ። 5 - ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዐዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዐዞ፡ ኣይተረኽበን። 6 - ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

7 - ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእአ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ኸ÷ነ። 8 - ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። 9 ፡ 10 - ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። 11 - ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሀባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። 12 - ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቚጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ።

13 - እዚኦም ኲላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። 14 - እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። 15 - ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። 16 - ሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊዉሎም ኣሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሀል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ።

17 ፡ 18 - ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። 19 - ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከኣሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ። 20 - ይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። 21 - ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በቱ ተመርኲሱ ኸኣ ሰገደ። 22 - ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረ፡ ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሀበ።

23 - ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። 24 - ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ 25 - ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዝብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ 26 - ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። 27 - ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዂራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። 28 - እቲ በዂሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። 29 - ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎ፡ ግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ፡ ተዋሕጡ። 30 - ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። 31 - ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን።

32 - እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ? ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። 33 - ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዐሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዐጸዉ፡ 34 - ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም። 35 - ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ምሕረት ኣይደለዩን። 36 - ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቚሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። 37 - ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ። 38 - ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡- ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጒድ ምድርን ኰለል በሉ።

39 ፡ 40 - ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ እዚኦም ኲላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።




12ይ ምዕራፍ

1 - ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣኽል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዂሉ ዚኸብደና ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጒየ። 2 - ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። 3 - ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዐገሰ ዘክርዎ።

4 - ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። 5 ፡ 6 - እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዐቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም። 7 - ቅጽዓት እንተ ተዐገሰኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ? 8 - ብዘይ እታ ዂሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። 9 - ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ? 10 - እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። 11 - ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜእሪ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ። 12 - ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡ 13 - እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።

14 - ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን። 15 - ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቚሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ። 16 - ክላምጥሕ ንሓደ ብልዒ ብዂርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። 17 - ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም።

18 - ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዚትንከን ብሓዊ ዚነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡ 19 - ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን። 20 - ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከዮስ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዚብል ትእዛዝ ኪጾርዎ ኣይተኻእሎምን። 21 - ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን ኣሎኹ፡ ክሳዕ ዚብል፡ እቲ ትርኢት ክሳዕ ክንድዚ ዜፍርህ ነበረ። 22 - ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብቲ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌምን ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ 23 - ናብ ጉባኤ ዂሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዂራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኲሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማት ጻድቃንን፡ 24 - ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣሎኹም።

25 - እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ኺዛረቦም ከሎ፡ ኣብዮም ካብ ዝየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ? ስለዚ ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። 26 - ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ፡ ሕጂ ግና፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር፡ ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተስፋ ይህብ። 27 - እዛ፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ እቲ ዜንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልከት ዘላ። 28 ፡ 29 - ኣምላኽና ዚባላዕ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሕጒሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።




13ይ ምዕራፍ

1 - ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። 2 - ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። 3 - ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። 4 - ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኲሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። 5 - ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኩም ዕገቡ። 6 - ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ? ንበል።

7 - ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዐቡ። 8 - የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። 9 - ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። 10 ፡ 11 - እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና። 12 - ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። 13 ፡ 14 - ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። 15 - እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። 16 - ኣምማእኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። 17 - ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

18 - ብዂሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ ኣሎና እሞ፡ ጸልዩልና። 19 - ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም ኣሎኹ።

20 - ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ 21- ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ፍቓዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

22 - ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ። 23 - ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ።

24 - ንዂላቶም መራሕትኹምን ንዂላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።

25 - ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>