Gelatia

መልእ. ገላትያ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጳውሎስ፡ ሃዋርያ- ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡- 2 - ኲላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ናብ ማሕበራት ገላትያ። 3፡4 - ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሀበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 5 - ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን። ኣሜን።

6 - ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ። 7 - እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። 8 - ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። 9 - ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ። 10 - ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፧ ወይስ ንሰብ ከሐጒስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፧ ገና ንሰብ ኸሐጒስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።

11፡12 - እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሀርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከምቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። 13 - ቀደም ብኣይ ዑድነት ክነብር ከሎኸêስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጒክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 14 - ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ። 15 - እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና 16፡17 - ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።

18 - ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ። 19 - ካብ ሃዋርያት ግና ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታና ሓደ ኻልእ እኳ ኣይርኤኩን። 20 - እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕሱን እየ። 21 - ድሕርቲ ኸኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን መጻእኩ። 22፡23 - እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ ኣሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይስምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ። 24 - ብዛዕባይውን ንኣምላኽ ኣመስገና።




2ይ ምዕራፍ

1 - ካብኡ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ምስ በርናባስ ደየብኩ ንቲቶስውን ምሳይ ተማላእክዎ። 2 - እቲ ምድያበይ ብምኽንያት ሓደ ራእይ እዩ። ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም። 3 - ግናኸ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ፡ ጽርኣዊ ኽነሱስ፡ ምግዛር ኣየድለዮም። 4 - እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኸïገብሩና፡ ተጐሐልዮም እተሐወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ። 5 - እቲ ሓቂ ወንጌል ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሕራይ ንምባል ሓንሳእ እኳ ስግጥ ኣይበልናሎምን። 6 - እቶም ርኡያት መሰልቲ፡ - ኣምላኽሲ ገጽ ሰብ ርእዩ ኣየድሉን እዩ እሞ፡ ከመይ ዝበሉ ኸም ዝዀኑ ግዶም የብለይን፡ -እቶም ርኡያት መሰልትስ ሓንቲ እኳ ኣይወሰኹለይን። 7፡8 - እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያት ኣብ ግዙራት ዝዐየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዐየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተውሂቡኒ ምስ ረኣዩ፡ 9 - እቶም ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ፡ ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን፡ እቲ እተዋህበኒ ጸጋ ምስ ፈለጡ፡ ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ግና ናብ ግዙራት፡ ምናዳ ንኣይን ንበርናባስን ናይ ሕብረት የማናይ ኢዶም ሀቡና። 10 - ነቶም ድኻታት ጥራይ ክንዝክሮም ደለዩ፡ እዚውን ክገብሮ ኢለ ባዕለይ እጋደል ነይረ።

11 - ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12 - ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ። ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ። 13 - እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝናኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ። 14 - ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም ኣሎኻ፧ 15 - ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ ኣይኰንናን። 16 - ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኲሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና። 17 - ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። 18 - ነቲ ዘፍረስክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ ኤርኢ ኣሎኹ። 19 - ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። 20 - ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ። 21 - ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።




3ይ ምዕራፍ

1 - ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዐዘመኩም፧ 2 - ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣሎኹ፡ ብግብሪ ሕጊዶ ወይስ ብምስማዕ እምነት ኢኹም መንፈስ እተቐበልኩም፧ 3 - ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 4 - ንኸንቱ እንተ ዀይኑስ፡ ክንድዚ ዚኣክል መከራዶ ንኸንቱ ጸገብኩም፧ 5፡6 - ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምብኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፧ 7 - እምብኣርከ እቶም እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ። 8 - እቲ ጽሑፍውን፡ ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከምዜጽድቖም፡ ቅድም ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ። 9 - እምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒ፡ ኪባረኹ እዮም። 10 - ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ፡ ርጉም ይኹን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዂሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። 11 - ግናከ እቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኰይኑ ኺነብር እዩ እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ። 12 - ሕጊ ኻብ እምነት ኣይኰነን፡ ግናኸ እቲ ዚገብሮ ብህይወት ኪነብረሉ እዩ። 13፡14 - ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።

15 - ኣሕዋተየ፡ ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ነቲ ዝጸንዔ ኺዳን ሰብ እኳ ዜፍርሶ ወይስ ዚውስኸሉ የልቦን። 16 - እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሀል፡ ንዘርእኻ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሀል፡ ነዝርእቲ፡ ኣይብልን ኣዩ። 17 - እምብኣርሲ እዚ እብል ኣሎኹ፡ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኺገብሮ ኢሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ቀደም ዘጽንዖ ኺዳን እቲ ድሕሪኡ በርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝመጸ ሕጊ ኣየፍርሶን እዩ። 18 - እቲ ርስቲ ኻብ ሕጊ እንተ ዚኸውንሲ፡ ደጊም ካብ ተስፋ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣምላኽ ግና ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሀቦ። 19 - እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ፡ እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሐገገ። 20 - ማእክላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ። 21 - እምብኣርከ፡ እቲ ሕጊዶ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ መጻርርቱ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ህያው ኪገብር ዚከኣሎ ሕጊ ተውሂቡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ጽድቂ ብሓቂ ኻብ ሕጊ ምዀነ ነይሩ። 22 - እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሀብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዂሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዐጸዎ።

23 - እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሀድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዐጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሐሊውና ነበርና። 24 - ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። 25 - እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን። 26፡27 - ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኲላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። 28 - ኲላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። 29 - ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።




4ይ ምዕራፍ

1፡2 - ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን። 3 - ከምኡውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቚልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና። 4፡5 - ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። 6 - ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። 7 - ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።

8 - ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። 9 - ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቚልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮት ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 10 - መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣሎኹም። 11 - ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ ኣሎኹ።

12 - ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን። 13 - ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 14 - ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዐቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን። 15 - ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም እኳ ምሀብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ። እምበርኣርሲ ኣበይ ደኣ ኣሎ ብጽእናኹም፧ 16 - ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኽልክሉኹም ይደልዩ ኣለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰኑን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ። 18 - ግናኸ ምሳኻትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኲሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ። 19 - ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣሎኹ። 20 - ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ።

21 - ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኸêም፧ እስኪ ንገሩኒ። 22 - ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ። 23 - ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ። 24 - እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኸïዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ። 25 - ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል። 26 - እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ። 27 - ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ 28 - ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና። 29 - ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ። 30 - እቲ ጽሑፍካ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ። 31 - ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን።




5ይ ምዕራፍ

1 - ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዕት ባርነት ኣይትቈረኑ።

2 - እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 3 - ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺገብሮ ኸም ዚግብኦ፡ ደጊመ እምስክር ኣሎኹ። 4 - ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም። 5 - ንሕናስ ብመንፈስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ ኣሎና። 6 - ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከኣሎን እዩ።

7 - ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧ 8 - እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን። 9 - ሒደት ማይ ብሑቚ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ የብኲዖ እዩ። 10 - ኣነ፡ ገለ ኻልእ ከይትሐስቡ፡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ተኣሚነ ኣሎኸê። እቲ ዜዕገርግረኩም ግና፡ ዝዀነ ይኹን፡ ፍርዲ ኺጸውር እዩ። 11 - ኣሕዋተየ፡ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ፡ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ። 12 - ኣየ፡ እቶም ዜዕልውኹም ኰታ እንተ ዚቚረጹ።

13 - ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። 14 - ማለት ኲሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። 15 - ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተበላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።

16 - ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 17 - ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። 18 - ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። 19 - እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ 20 - ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቊጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ 21 - ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣሎኹ። 22 - እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። 23 - ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። 24 - እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።

25 - ህይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። 26 - ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።




6ይ ምዕራፍ

1 - ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። 2፡3 - ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር ኣሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ። 4፡5 - ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።

6 - እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ። 7 - ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። 8 - እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ። 9 - እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ። 10 - እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።

11 - ብኸመይ ዝበለ ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢደይ ከም ዝጸሐፍኩልኩም፡ ርኣዩ።

12 - እቶም ንሰብ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብሉኹም ዘለዉ። 13 - ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ፡ ክትግዘሩ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፡ እቶም ግዙራት እኳ ባዕላቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። 14፡15 - ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሐቕ። 16 - ኣብቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዚኸዱ ዘበሉን ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።

17 - ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ።

18 - ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>