2 Tmotios

2ይ ጢሞቴዎስ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጳውሎስ፡ ከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡ 2 - ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን።

3 - 5 - እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ፡ -ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ ኣሎኹ፡ -ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽመልእሲ፡ ክርእየካ እናናአቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ካብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ።

6 ፡ 7 - በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ ኣሎኹ። 8 - ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱሩ ኣይትሕፈር። 9 - ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። 10 - ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዐሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡ 11 - ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብን ክኸውን ተሸምኩ። 12 - ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላው ኸም ዚከኣሎ ተረዲኤዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይሕፍርን እየ። 13 - ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ። 14 - ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሐዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሐልዎ።

15 - እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዂላቶም፡ ካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ ኣሎኻ። 16 ፡ 17 - ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቚሔይውን ኣይሐፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሀብ። 18 - በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሀቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዚበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።




2ይ ምዕራፍ

1 - ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። 2 - እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም። 3 - ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። 4 - ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን። 5 - ከምኡውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። 6 - እቲ ዚዐዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቅድም ግዲኡ ኺወስድ ይግብኦ እዩ። 7 - እግዚኣብሄር ብዂሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ።

8 - ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ኻብ ምዉታትውን ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። 9 - ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቐጺረ ኽሳዕ መቚሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። 10 - ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዂሉ እዕገስ ኣሎኹ። 11 - እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና። 12 - እንተ ተዐገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሐድናዮ፡ ንሱውን ኪኽሕደና እዩ። 13 - ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር።

14 - ነቶም ዚሰምዕዎ ዜስሕቶም፡ ረብሓ ብዜብሉ ቓል ከይብኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም። 15 - ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር። 16 - ነቲ ፍረ ዜብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡ 17 - እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ኢሌጦስን ካባታቶም እዮም። 18 - ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕዲ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ። 19 - እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ ኣሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚሰሚ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሐቕ።

20 - ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። 21 - እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።

22 - ካብ ትምኒት ጒብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣስኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዐብ። 23 - ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ። 24 - ባርያ እግዚኣብሄር ንዂሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ። 25 - ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሀቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ 26 - ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።




3ይ ምዕራፍ

1 - ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። 2 - ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘይማስዉ፡ ርኹሳት፡ 3 - ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ 4 - ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ 5 - 7 - እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጒ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኲሉ ሳዕ ዚምህራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። 8 - ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ብጠፍኤ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። 9 - ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዂሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣየስልጡን እዮም።

10 - ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ። 11 - ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኲሉ ኣድሐነኒ። 12 - ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዂሎም ኪስጐጉ እዮም። 13 - እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። 14 ፡ 15 - ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቊልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳን ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። 16 ፡ 17 - እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺኡ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።




4ይ ምዕራፍ

1 - 4 - ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዂሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ክተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጹን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ። 5 - ንስኻ ግና ብዂሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። 6 - ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ 7 - ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ነቲ እምነት ሐልየ። 8 - ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ።እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።

9 - ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። 10 - ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማጥያ ኸዱ። 11 - ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ። ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ። 12 - ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣሎኹ። 13 - ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጽሓፍትን ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ። 14 - እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 15 - ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎ። 16 - ኣብቲ ቐዳማይ ምጒተይ፡ ኣይትሐዘሎም፡ ኲላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። 17 - እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኲሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቑመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። 18 - እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

19 - ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎርስን ሰላም በለለይ። 20 - ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ ኣሎኹ። 21 - ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውዳውያን ኲላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 22 - ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>