2 Tslonke

2ይ ተሰሎንቄ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን። 2 - ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።

3 - ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ዝለ ዝዐበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኲላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዐዘዘት፡ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ። 4 - እምበኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዂሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና። 5 - ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቊጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። 6 ፡ 7 - በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘሎን ምሳና ኺፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ 8 - ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። 9 ፡ 10 - እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተኣሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝእመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ክብሪ ስልጣኑን ርሕሕቖም ኪቕጽዑ እዮም።

11 ፡ 12 - ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኲሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ኪፍጸም፡ ብዛዕባኹም ኲሉ ሳዕ ንልምን ኣሎና።




2ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ግናኸ ኣቱም ኣሕዋትና ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም ኣሎና። 3 ፡ 4 - ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሀል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ትፍኣት፡ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኾነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። 5 - ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ኸም ዝነገርኩኹምከ፡ ኣይትዝክርዎን ዲኹም? 6 - ንሱ በቲ ግዝያቱ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኣሎኹም። 7 - ምስጢር ምፍራስ ሕግስ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ጥራይ ካብ ማእከል ክሳዕ ዚጽረግ ድሮ እኳ ይዐዪ ኣሎ 8 - እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ፡ ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ። 9 ፡ 10 - እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዂሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዂሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን። 11 ፡ 12 - ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚበሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዂሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።

13 - ግናኸ ኣቱም ብጐይታ ፍቑራት ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብናይ መንፈስ ቅድስናን ብእምነት ሓቅን ንምድሓን ስለ ዝሐረየኩም፡ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ ከነመስግኖ ግቡእና እዩ። 14 - ነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም። 15 - ደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትና ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሀርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ።

16 - ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሀበና እግዚኣብሄር ኣቦናን፡ 17 - ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጸናንዕን የበርትዕን።




3ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኲሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኺነብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና። 3 - ግናኸ እቲ ዜጽናዓኩምን ካብ ክፉእ ዚሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ። 4 - እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባካትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና። 5 - ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።

6 - እምበኣርከስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝእዝዘኩም ኣሎና። 7 ፡ 8 - ኣብ ሓዴኹምኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዐየና እምበር ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዐት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 9 ፡ 10 - ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዐዪ ዘይፈቱ እንተዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና አዘዝናኩም እሚ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሀብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰናን። 11 - ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና። 12 - ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዐየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና።

13 - ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ፡ 14 - ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ። 15 - ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዐድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ።

16 - እምበኣርከስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብኸùሉ ወገን፡ ኲሉ ሳዕ ሰላም ይሀብኩም። ጐይታ ምስ ኲላትኩም ይኹን።

17 - እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኲሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። 18 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>