2 Korntos

2ይ ቆረንቶስ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዋስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዂላቶም ቅዱሳን፡ 2 - ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።

3 - ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኲሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ 4 - በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዂላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። 5 - ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። 6 - ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንሰቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። 7 - ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀኩም ፈሊጥኩም፡ ተስፋና ኣባኻትኩም ጽንዕቲ እያ። 8 - ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሓብኣልኩም ኣይነቱን ኢና። 9 - ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። 10 - ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ ኣሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና። 11 - ንስኻትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና ኣሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም።

12 - ትምክሕትና፡ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባኻትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ። 13 ፡ 14 - ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስኻትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።

15 - ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተኣሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ፡ 16 - ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሐልፍ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ። 17 - እምብኣርሲ እዚ ምስ ሐሰብኩ፡ ብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ እወ፡ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ እቲ ዝመኸሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧ 18 ፡ 19 - እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን። 20 - ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብእሪ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ። 21 ፡ 22 - ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሀበናን ኣምላኽ ንሱ እዩ።

23 - ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ኽንሕፈኩም ኢለ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣምላኽ ምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ ኣሎኹ። 24 - ብእምነት ቌምኩም ኣሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጒይተት ኣይኰንናን።




2ይ ምዕራፍ

1 - ከም ብሓድሽ ድማ ብጓሂ ናባኻትኩም ከይመጽእ፡ እዚ ብርእሰይ መደብክዎ። 2 - ማለት፡ ኣነ እንተ ኣጒሄኹኹምሲ፡ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝጐሀየ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ ዜሐጒሰኒ፧ 3 - ሓጐሰይ ሓጐስ ኲላትኩም ከም ዝዀነ ብዂላትኩም እናተኣመንኩ፡ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዚግብኣኒ፡ ክመጽእ ከሎኹ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ እየ እዚ ዝጽሐፍኩልኩም። 4 - እቲ ዘፍቅረኩም ፍቕረይ ኣዝዩ ብሉጽ ምዃኑ ምእኝቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሐፍኩልኩም፡ ምእንቲ ኸጒህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን።

5 - ሓደ ሰብ ዘጒሀየ እንተሎ ግና፡ እምብዛ ኸየኽብደሉ፡ ብሓደ ወገኑስ ንዂላትኩም እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዘጒሀየ። 6 - ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ። 7 - እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን። 8 ፡ 9 - ብዂሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ዝጸሐፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም ኣሎኹ። 10 ፡ 11 - ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ።

12 - ወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፊቱለይ ከሎስ፡ 13 - ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ፡ ንሳቶም ኣሰንዮምኒ ናብ መቄዶንያ ወጻእኩ እምበር፡ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን። 14 - ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኲሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኲሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። 15 - ማለት፡ ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ 16 - ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዜብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፧ 17 - ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሐዋውሱ ኣይኰንናን።




3ይ ምዕራፍ

1 - ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቊብ ንጅምር ኣሎና፧ ወይስ ከምቶ ም ገሊኦምዶ እተማዕቊበና ደብዳበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እሮኣ፧ 2 - ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኲሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳቤና ንስኻትኩም ኢኹም። 3 - ንስኻትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት፡ ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።

4 - ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡ 5 - ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጽእና፡ ሓንቲ እኳ ኽንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ። 6 - ፍዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፍዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና። 7 - ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፍዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ኻብ መጸትሲ፡ 8 - ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፧ 9 - እታ ኣገልግሎት ኲነኔ ኻብ እትኸብር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዐዝዝ፧ 10 ፡ 11 - እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ኽንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እዚ ዚዐዛ ኽብሪ ኽሕብርቲ ኣይኰነትን።

12 - እምብኣርስ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡ 13 - ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኸይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጒልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና። 14 - ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣይተቐልዐሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ። 15 - ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ። 16 - ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ኪቕንጠጥ እዩ። 17 - ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። 18 - ንሕና ዂላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።




4ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዂሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቊብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና ኣሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይሕለልን ኢና። 3 - እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዮም እተሰወረ። 4 - እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ። 5 - ማለት፡ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰነናን እንሰብኽ ዘሎና። 6 - እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።

7 - ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። 8 - ብዂሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ 9 - ንስጐጒ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። 10 - ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኲሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና። 11 - ምለት፡ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዂሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ። 12 - እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዐዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዐዪ ኣላ። 13 ፡ 14 - ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቚመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና። 15 - እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኸòዕዝዝ፡ ኲሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ።

16 ፡ 17 - እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። 18 - እቲ ዚረኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።




5ይ ምዕራፍ

1 - እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ኻብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። 2 ፡ 3 - ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ ኣሎና። 4 - ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቊር ኣሎና። 5 - ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሀበና፡ ኣምላኽ እዩ።

6 ፡ 7 - ስለዚ ዂሉ ሳዕ እሙንቶ ኣላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰነናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና። 8 - ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና። 9 ፡ 10 - ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሀድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ ኣሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣሎና።

11 - እምብኣርሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና፡ ንሰብ ነረድኦም ኣሎና፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ግሁዳት ኢና፡ ኣብ ሕሊናኹም ከም እተገሀድናውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 12 - ነቶም ብገጽ እምበር፡ ብልቢ ዘይኰነ፡ ዚምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ኺህልወኩም፡ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣሎና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቊበኩም ኣይኰንናን። 13 ፡ 14 - እምብኣርከ ሓደ በጃ ዂሉ ሞተ፡ ስለዚ ዂላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣኻትኩም ኢና። 15 - ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዂላቶም ሞተ። 16 - ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። 17 - ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኲሉ ሓድሽ ኰይኑ። 18 - እዚ ዂሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዐርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሀበና ኣምላኽ እዩ። 19 - ማለት፡ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዐርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።

20 ፡ 21 - ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።




6ይ ምዕራፍ

1 - ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም ኣሎና። 2 - ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።

3 - ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። 4 - ብዂሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ 5 - ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ 6 - ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡ 7 - ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ 8 - ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡ 9 - ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡ 10 - ከም ጒሁያት፡ ግናኸ ኲሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኲሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዜብልና ኴንና ንረኤ ኣሎና።

11 - ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሔ። 12 - ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ። 13 - ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፡ - ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ ኣሎኹ፡ - ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ።

14 - ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ንጽድቅን ሓጢኣትን ኣንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ 15 - ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ 16 - ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣምላኽ፡ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። 17 - ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 18 - ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዂሉ ዚከኣሎ ጐይታ።




7ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህልወንስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዂሉ ርእስና ነንጽህ።

2 - ኣብ ልብኹም ስፍራ ኣርሕቡልና፡ ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዐመጽናን፡ ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን። 3 - ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘሎኹምሲ፡ ቅድሚ እዚ ኢለ ኣሎኹ እሞ፡ እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ንበይንኹም ኣይኰንኩን። 4 - ኣባኻትኩም ብዙሕ ትብዓት ኣሎኒ፡ ትምክሕተይ ብኣኻትኩም ዓብዪ እዩ። ብምጽንናዕ መሊኤ ኣሎኹ፡ ብጸበባና ዘበለ ዂሉውን ሓጐሰይ ዕዙዝ እዩ።

5 - ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ፡ ካብ ወጻኢ ውግእ፡ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና እሞ፡ ብዂሉ ጨነቐና እምበር፡ ስጋና እኳ ዕረፍቲ ኣይረኸበን። 6 - እቲ ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና። 7 - ግናኸ ንሱ ናፍቖትኩምን ብኽያትኩምን ቅንኣትኩምን ምእንታይ ምስ ኣዘንተወልና፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ ድም እምበር፡ ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣዝይላ እተሐጐስኩ። 8 - በታ ደብዳበይ ኣጒህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዐስን እየ። እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንጊዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ዘጒሀየትኩም እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ 9 - ካባና ገለ ጒድኣት ምእንቲ ኸይትረኽቡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጒሄኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጒሄኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጒሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ። 10 - ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዐሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ። 11 - እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጒሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዝየምጽኣልኩም፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብዂሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም።

12 - እምብኣርሲ እንተ ጸሓፍኩልኩም ከኣ፡ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሀድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ። 13 - ስለዚ ድማ ተጸናናዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕና ድማ ብሓጐስ ቲቶስ፡ መንፈሱ ብዂላትኩም ስለ ዝቐሰነ፡ ብዙሕ ኣዚና ተሐጐስና። 14 - ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ብገለ ተመኪሔ እንተ ዀንኩ እኳ፡ ከምቲ ዂሉ ብሓቂ ዝነገርናኩም፡ ከምኡውን እቲ ትምክሕትና ኣብ ቅድሚ ቲቶስ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ኣይሐፈርኩን። 15 - ከመይ ጌርኩም ብፍርሃት ራዕራዕ ብምባልን ከም እተቐበልኩምዎ፡ ምእዛዝ ኲላትኩም እናዘከረ፡ ልቡ ኣዝዩ ናባኻትኩም ኣቕሊቡ ኣሎ። 16 - ብዂሉ ኣባኻትኩም እሙንቶ ኣላትኒ እሞ ሕጉስ እየ።




8ይ ምዕራፍ

1 - ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡ 2 ፡ 3 - ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሀቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓለፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶም ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዐዘዘ። 4 - ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ 5 - ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ 6 - ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባኻትኩምውን ኪፍጸም፡ ምዒድናዮ ኣሎና። 7 - ግናኸ ብዂሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዐዘዝኩምጅ፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። 8 - እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። 9 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። 10 - እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም። 11 - ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ። 12 - ፍቓድ ልቢ እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን። 13 - ምእንቲ ማዕረ ማዕረ ኪኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ ኣይኰንኩን። 14 ፡ 15 - ከመዮ፡ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጒደለን፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ኪምልእ እሞ፡ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።

16 ፡ 17 - ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ ብዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባኻትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 18 - ምስኡውን ነቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓው ሰዲድና ኣሎና። 19 - እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኺርኤን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኺዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሐረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። 20 ፡ 21 - ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሐሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽኤ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና። 22 - ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ ብዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ ኣሎና። 23 - ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባኻትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24 - እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም።




9ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ኣካይያ ኻብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶንያውን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሐለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ። 3 - ትምክሕትና ብኣኻትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣሎኹ። 4 - እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፡ -ንስኻትኩም ከይንብልሲ፡ -ንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሐፍር ኢለ ለኣኽክዎም። 5 - እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኹምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስ፡ ከም በረኸት ተዳልዩ ኺጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሐሊፎም ኬዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ።

6 - ግናኸ እዚ እብል ኣሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዐጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ። 7 - ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ፡ 8 ፡ 9 - ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሀበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዂሉ ዂሉ ሳዕ ዚኣክል ኲሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዂሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ፡ 10 - ግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራን ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቅኹምውን ኬብቊሎን እዩ፡ 11 - ንስኻትኩም ከኣ ብዂሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዐዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም። 12 - እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡ 13 - ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ስለቲ ንኣታቶምን ንዂሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም። 14 - ንሳቶምውን ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም። 15 - ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።




10ይ ምዕራፍ

1 - ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሐቕኩ ግና ኣባኻትኩም ዝተባዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም ኣሎኹ፡ 2 - ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳኻትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም ኣሎኹ። 3 - ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። 4 - ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡- 5 - ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠትን ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉን እናፍረስና፡ ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። 6 - ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ዂሉ ኽንቀጽዖ ተዳሊና ኣሎና።

7 - ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱ፡ ሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዚኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ የስተብህል። 8 - በቲ - ጐይታ ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘይኰነ ዝሀበና-ስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሐፍርን እየ። 9 ፡ 10 - ገለ ሰብ፡ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። 11 - እቲ ኸምዚ ዚብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎን ኣብቓል ደብዳቤታትና፡ ኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ።

12 - ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዚንእዱ፡ ርእስና ኽንቈጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኸ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዜመዓራርዩስ፡ ኣእምሮ የብሎምን። 13 - ንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና። 14 - ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስ፡ ባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባኻትኩም እኳ በጺሕና ኣሎና። 15 - ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዐበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዐቢ ተስፋና እዩ። 16 - ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። 17 ፡ 18 - እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዚወጽእ። ስለዚ እቲ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ።




11ይ ምዕራፍ

1 - ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዐገሱኒ ደኣ። 2 - ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ። 3 - ግናኸ ከምቲ ተመን ብጒርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ ኣሎኹ። 4 - ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጸኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም። 5 - ኣነ ኻብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ብሓንቲ እኳ ዝሐምቕ ኣይመስለንን። 6 - ብዘረባ እኳ ዓሻ እንተ ዀንኩ፡ ብፍልጠትሲ ኸምኡ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብዂሉን ኣብ ኲሉን ኣባኻትኩም ግሁዳት ኢና።

7 - ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧ 8 - ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራር ዝበዝበዝክወን። 9 - ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰኣንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዂሉ ድማ ርእሰይ ከየኽብደልኩም እጥንቀቕ ኣሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ። 10 - ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን። 11 - ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ። 12 - ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ። 13 - ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። 14 - ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። 15 - ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንት ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።

16 - ከም ብሓድሽ ከኣ እብል ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣይምሰሎ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣነውን ገለ ቕሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። 17 - እዚ በዚ እሙንቶ ትምክሕቲ ዝብሎ ዘሎኸê፡ ከም ብዕሽነት እምበር፡ ብእግዚኣብሄር ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ። 18 - ብዙሓት ከም ስጋ ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነውን ክምካሕ እየ። 19 - ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣሎኹ። 20 - ሓደ ኸም ባርያ እንተ ገበረኩም፡ ሓደ እንተ ወሐጠኩም፡ ሓደ እንተ ሐዘኩም፡ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም፡ ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩም፡ ትዕገስዎ ኢኹም። 21 - ንሕና ድኹማት ኴንና ኸም ዝነበርና፡ ብናይ ውርደት እብል ኣሎኹ፡ ግናኸ በቲ ሓደ ኻልእ ዚደፍረሉ፡ -ብዕሽነት እየ ዝብል ዘሎኹ፡- ኣነውን እደፍር እየ። 22 - እብራውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ። 23 - ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ -ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። 24 - ብኣይሁድ ሓሙሽተ ጊዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። 25 - ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቝ ባሕሪ ሐዲረ ወዐልኩ። 26 - ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። 27 - ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ጊዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ጊዜ ብጾም፡ ብቚርን ብዕርቃንን ነይረ። 28 - ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዂሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባህ ዚጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንዂላተን ማሕበራት ዝሐልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ። 29 - መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧ 30 - ክምካሕ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑስ፡ ኣነ ብናይ ድኻመይ ክምካሕ እየ። 31 - እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ። 32 - ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ ኺሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ ኣሐልዋ፡ 33 - እሞ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ኣውረዱኒ፡ ካብ ኢዱውን ኣምለጥኩ።




12ይ ምዕራፍ

1 - ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ። 2 - ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ -ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። - 3 - ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፡ - ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ - 4 - ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ። 5 - በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። 6 - ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዐሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚሰምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ። 7 - ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። 8 - እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ 9 - ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። 10 - እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጒ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

11 - ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሐመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዐሽየ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ። 12 - ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባኻትኩም ብዂሉ ትዕግስቲ ተገብረ። 13 - ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፧ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ።

14 - እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ኣብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣኻትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይከኽብደልኩምን እየ። 15 - ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጒዲልኩም ተፍቅሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍስኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኲሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ። 16 - እስከ ዝዀነ ይኹን፡ ብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሐዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን። 17 - ነቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧ 18 - ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣስኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧

19 - ንርእስና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ኻብ ቀደም ሒዝኩም ትሐስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኲሉ ንምህናጽኩም እዩ። 20 - ክመጽእ ከሎኹ፡ ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኲራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዂሽዂ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። 21 - ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጒሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ።




13ይ ምዕራፍ

1 - እዚ ምምጽኤይ ናባኻትኩም ሳልሳይ ጊዜ እዩ። ዘረባ ዘበለ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ዚቐውም። 2 ፡ 3 - ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዚዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ጊዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዂላቶምን ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር ኣሎኹ። 4 - ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።

5 - ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ርእስኩም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም። 6 - ንሕና ግና፡ መኸታ ዘየጽንዑ ኸም ዘይኰንና ኽትፈልጡ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 7 - ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን ኣሎና። ንሕና እኳ መኸታ ኸም ዘይነጽንዕ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ንስኻትኩም ሰናይ ክትገብሩ እምበር፡ ንሕና መኸታ ምእንቲ እነጽንዕ መሲልና ኽንርኤ ኣይኰንናን። 8 - ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይከኣለናን እዩ። 9 - ንሕና እንተ ደኸምና፡ ንስኻትኩም እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን፡ ምሉኣት ክትኰኑ፡ ንጽሊ ኣሎና። 10 - ምእንትዚ በቲ ንምህናጽ እምበር፡ ንምፍራስ ዘይኰነ፡ ጐይታ ዝሀበኒ ስልጣን ምስ መጻእኩ፡ ጨኪነ ኸየበርትዓልኩም፡ ርሑቕ ከሎኹ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ።

11 - ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሐጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 12 - ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኩም ኣለዉ። 13 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>