1 Petros

1ይ ጴጥሮስ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢታንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡ 2 - ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝ ብደም የሱስ ክርስቶስ ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።

3፡4 - እቲ፡ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ኻብ ምዉታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ይባረኽ፡ 5 - ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም ኣሎኹም። 6፡7 - እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስን ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዂላዕ ሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ኸቢሩ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጒሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። 8፡9 - ነዚ ኸይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። 10 - እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ 11 - እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስን በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘምን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ 12 - ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግረልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም።

13 - ስለዚ ሓቛቚ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። 14 - ከም እዙዛት ውሉድ እምበር፡ ከምቲ ብዘመን ድንቊርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ 15፡16 - ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዂሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። 17 - ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18፡19 - ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 20 - ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። 21 - ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣሎኹም። 22፡23 - ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ 24 - ኲሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኲሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ 25 - ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።




2ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ ንዂሉ ኽፍኣትን ኲሉ ጒርሕን ግብዝናን ቅንእን ኲሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። 2፡3 - እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። 4 - ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ 5 - ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሀነጹ። 6 - ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ ኣሎ። 7 - ስለዚ ንኣኻትኩም እትኣምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ 8 - እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። 9 - ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። 10 - ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ምሑራት ኢኹም።

11 - ኣቱም ፍቁራተየ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ። 12 - እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ። 13-15 - ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። 16 - ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ። 17 - ንዂሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።

18 - ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተኣዘዝዎም። 19 - ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። 20 - ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩምከ፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21 - ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22 - ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኸበ፡ 23 - ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገረ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፋራርሄ። 24 - ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቚስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። 25 - ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።




3ይ ምዕራፍ

1፡2 - ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረኣዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 3፡4 - ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። 5 - ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። 6 - ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን።

7 - ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ።

8 - መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኲላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9 - ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10 -12 - ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።

13 - ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገብረኩም፧ 14 - ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። 15 - ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኲሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። 16፡17 - ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም።

18 - ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኼቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 19 - ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ 20 - ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። 21 - እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። 22 - ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፡ ንእኡ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ ኣለዉ።




4ይ ምዕራፍ

1፡2 - ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። 3 - እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ መስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። 4 - ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ። 5 - ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። 6 - ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ዀይኖም ኪፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኰይኖም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ።

7 - ግናኸ መወዳእታ ዂሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። 8 - ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ዂሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም። 9 - ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። 10 - ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11 - ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ይኹኖ። ኣሜን።

12 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። 13 - ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ። 14 - ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 15 - ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። 16 - ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር።

17 - እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ 18 - እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧ 19 - ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ።




5ይ ምዕራፍ

1 - እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡ 2 - ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ 3 - ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኸêኑ። 4 - እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።

5 - ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐበዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኲላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። 6 - ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7 - ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንኲሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

8 - ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። 9 - እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።

10 - እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም፡ ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ። 11 - ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።

12 - ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓውና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 13 - እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 14 - ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተበሃሀሉ።

ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኲላትኩም ሰላም ይሀሉኹም። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>