1 Yohans

1ይ ዮሃንስ

1ይ ምዕራፍ

1 - እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡- 2 - ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡- 3 - ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኸïህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። 4 - ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና።

5 - እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። 6 - ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። 7 - ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። 8 - ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። 9 - ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸïብለልና፡ ካብ ኲሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። 10 - ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።




2ይ ምዕራፍ

1 - ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኸê። ሓደ እኳ ሓጢእት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። 2 - ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኲላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።

3 - ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። 4 - ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። 5 - እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 6 - እቲ፡ ኣብኡ እነብር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።

7 - ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። 8 - ከምቲ ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ ኣሎ። 9 - ኣብ ብርሃን ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። 10 - እቲ ንሓው ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፡ መዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። 11 - እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።

12 - ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። 13 - ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 14 - ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጒባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 15 - ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ፡ ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። 16 - ኲሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። 17 - ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።

18 - ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። 19 - ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኲላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀዱ እዮም ዝወጹ። 20 - ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣሎኩም፡ ንዂሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። 21 - ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዎስ ኣይኰንኩን፡ ኲሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። 22 - እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። 23 - ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዂሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ ነቲ ኣቦ ኣለዎ። 24 - ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25 - እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። 26 - ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። 27 - ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዂሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። 28 - ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። 29 - ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዂሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።




3ይ ምዕራፍ

1 - ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። 2 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ ኣሎና። 3 - እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዂሉ፡ ከምቲ ንሱ ንጹህ ዝኸነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።

4 - ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ 5 - ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። 6 - እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዂሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንውን። 7 - ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። 8 - ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ነዚ እተገልጸ። 9 - ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። 10 - ጽድቂ ዘይገብርውን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። 11 - ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። 12 - ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።

13 - ኣሕዋተየ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ። 14 - ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ ኣሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። 15 - ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዂሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዂሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። 16 - ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና እዩ። 17 - ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፡ 18 - ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። 19፡20 - ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኲሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚ ኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። 21 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። 22 - ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብል እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። 23 - ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። 24 - እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሀበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።




4ይ ምዕራፍ

1 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዂሉ ኣይትእመንዎ። 2 - ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ። 3 - የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዂሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 4 - ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም ኣሎኹም። 5 - ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ ኣለዉ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6 - ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ።

7 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዂሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8 - ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9 - ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። 10 - ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣት መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። 11 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12 - ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም።

13 - ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 14 - እቲ ኣቦ ንወዱ መድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን ኣሎና። 15 - የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። 16 - ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 17 - ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። 18 - ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። 19 - ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። 20 - ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 21 - እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓው ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።




5ይ ምዕራፍ

1 - ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዂሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዂሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮ። 2 - ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕሉ፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 3 - ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ። 4 - ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዂሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። 5 - ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧ 6 - እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ። 7 - እቲ መንፈስውን ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዚምስክር ዘሎ። 8 - እቶም ዚምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምን፡ ሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም። 9 - እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ እዩ። 10 - ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጢ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። 11 - ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። 12 - እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን።

13 - ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ። 14 - ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። 15 - ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና። 16 - ሓደ፡ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ፡ ይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘይብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ኪህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ። 17 - ዓመጻ ዘበለ ዂሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ።

18 - እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና። 19 - ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና። 20 - ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። 21 - ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>