1 Korntos

1ይ ቆረንቶስ

1ይ ምዕራፍ

1 - ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ የሱስ ክርስቶስ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ሶስቴኔስ ከኣ ሓውና፡ 2 - ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ፡ ኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ዚጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡ 3 - ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።

4 - 6 - ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሀብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን ኣሎኹ። 7 - ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም፡ 8 - ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ። 9 - እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።

10 - 12 - ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። 13 - ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧ 14 ፡ 15 - ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠምቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ገይዩስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ ኤመስግኖ ኣሎኹ። 16 - ስድራ ቤት እስጢፋኖስውን ኣጥሚቐ ኣሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17 - እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ክጥምቕሲ ኣይለኣኸንን።

18 ፡ 19 - ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስ ትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 20 - ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21 - ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ። 22 - ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡ 23 - ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። 24 - ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ -ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ -ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። 25 - ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ።

26 - ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። 27 - ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። 28 ፡ 29 - ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ። 30 ፡ 31 - ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹ።




2ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስኽር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። 3 - ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። 4 ፡ 5 - እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን።

6 ፡ 7 - እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹባት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። 8 - ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። 9 - ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ 10 - እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። 11 - እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 12 - ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 13 - ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። 14 - እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። 15 ፡ 16 - ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።




3ይ ምዕራፍ

1 - ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። 2 ፡ 3 - ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧ 4 - እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዚብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ 5 - እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ። 6 - ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 7 - እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዕብሱ የብሎምን። 8 - እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 9 - ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።

10 ፡ 11 - ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሀንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ። 12 - ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ 13 - እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። 14 - ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሀንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። 15 - እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።

16 - ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 - ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

18 - 20 - ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን። 21 ፡ 22 - ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። 23 - ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ።




4ይ ምዕራፍ

1 - ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና። 2 - ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ። 3 ፡ 4 - ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ። 5 - ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሐብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።

6 - ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሀሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ። 7 - ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧ 8 - ድሮ ጸገብኩም፡ ድሮ ሀብተምኩም፡ ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም፡ ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም። 9 - ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለም ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። 10 - ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11 - ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዐርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ 12 - ብገዛእ ኣእዳውና እናዐየና ድማ ንጽዕር ኣኦና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ 13 - እናተሐሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና።

14 ፡ 15 - ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን። 16 - ስለዚ፡ ሰዓብተይ ኩኑ፡ ኢለ እምዕደኩም ኣሎኹ። 17 - በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ኼዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣሎኹ። 18 - ሓያሎ ግና፡ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎም፡ እተነፍሑ ኣለዉ። 19 ፡ 20 - መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን። 21 - ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጻኩም፧ እንታይ ትደልዩ፧




5ይ ምዕራፍ

1 - ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ። 2 - ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን። 3 - 5 - ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። 6 - ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 7 - ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። 8 - ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን።

9 - ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 10 - ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። 11 - ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 12 - ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ 13 - ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።




6ይ ምዕራፍ

1 - ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኺፋራረድ ይደፍር እዩ፧ 2 - ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ 3 - ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ 4 - እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ 5 ፡ 6 - ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ 7 - ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ 8 - ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን ኣሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። 9 - ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ 10 - ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። 11 - ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

12 - ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ። 13 - ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን። 14 - ኣምላኽ ድማ ከምቲ ንጐይታና ዘተንስኦ፡ ንኣናውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ። 15 - እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። 16 - እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 - እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። 18 - ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። 19 ፡ 20 - ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።




7ይ ምዕራፍ

1 - ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። 2 - ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። 3 - ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። 4 - ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። 5 - ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። 6 - እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። 7 - ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ።

8 - ንዘይተመርዐዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል ኣሎኹ። 9 - ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዐዉ። 10 ፡ 11 - ነቶም እተመርዐዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ - እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዐረቕ፡ - ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ። 12 - 14 - ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል ኣሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። 15 ፡ 16 - ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና ኣሎ።

17 - ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዐደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ።

18 - ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ ኣሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። 19 - ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። 20 - ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። 21 - እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። 23 - ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። 24 - ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር።

25 - ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። 26 - እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኸïነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። 27 - ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። 28 - ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ድንግልውን እንተ ተመርዐወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብሳ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም ኣሎኹ። 29 - ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር ኣሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። 30 - እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። 31 - ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። 32 - ኣነ ግና ብዘይ ሓልዩ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዐወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። 33 - እቲ እተመርዐወ ግና ንሰበቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። 34 - ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዐወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። 35 - ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። 36 - ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸ ኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሀባ። 37 - ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። 38 - እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር። 39 - ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። 40 - ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ ኣሎ።




8ይ ምዕራፍ

1 - ብዛዕባ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሀንጽ። 2 - ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። 3 - ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። 4 - ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። 5 - ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሀሉ እንተለዉስ፡ - ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ - 6 - ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸም ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። 7 - እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። 8 - ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። 9 - ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀሪ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። 10 - ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ 11 - ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኩም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። 12 - ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም። 13 - ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።




9ይ ምዕራፍ

1 - ኣይሓራን ድየ፧ ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣይርኤኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምሲ ብጐይታዶ ኣይዕዮይን ኢኹም፧ 2 - ማሕተም ሃዋርያነተይ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንኣኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ። 3 - ምምጽራየይ ነቶም ዚምርምሩኒ እዚ እዩ፡ 4 - ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 5 - ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዚገብርዎ፡ ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 6 - ወይስ ኣነን በርናባስን ጥራይ ዲና ዕዮ ኽንሐድግ መሰል ዜብልና፧ 7 - ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዚኽተል፧ ወይኒ ተኸïሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧ 8 - እዚ ኸም ኣዛራርባ ሰብዶ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፧ እቲ ሕጊውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ 9 - ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ዚብል ኣብ ሕጊ ሙሴ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኣምላኽዶ ብዛዕባ ኣብዑር ሐልዩ እዩ፧ 10 - ወይስ ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኰነን ዚብሎ ዘሎ፧ እቲ ዚሐርስ ብተስፋ ኺሐርስ፡ እቲ ዜኽይድ ከኣ ግዲኡ ኺረክብ ብተስፋ ኬኽይድ ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ። 11 - ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዐጸድናዮዶ በዚሑና እዩ፧ 12 - ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዚዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዚዐዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡ 13 - እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዜገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 14 - ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም ኣሎ። 15 - ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዘመሰለ ሓንቲ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ከምኡ ምእንቲ ኪዀነለይ ኢለውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሐፍኩ። ነቲ ትምክሕተይ ሓደ ኸንቱ ኻብ ዚገብሮስ ሙማት ምሔሸኒ ነይሩ። 16 - ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 17 - እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ። 18 - እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ።

19 - ካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። 20 - እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ -ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። 21 - እቶም ሕጊ ዜብሎም- ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ -ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። 22 - ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። 23 - እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ።

24 - ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። 25 - እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። 26 - ስለዚ ኣነ እጐዪ ኣሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት ኣሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። 27 - ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን ኣሎኹ።




10ይ ምዕራፍ

1 - ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2 - ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። 3 - ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ 4 - ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። 5 - ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። 6 - እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። 7 - እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። 8 - ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። 9 - ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይፈትኖ። 10 - ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። 11 - እዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። 12 - ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13 - ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

14 - ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። 15 - ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16 - እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ 17 - ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። 18 - ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ 19 - እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20 - ኣይፋልሪ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። 21 - ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። 22 - ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧

23 - ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። 24 - ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። 25 ፡ 26 - ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። 27 - ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። 28 - ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። 29 - ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚፍረድ፧ 30 - ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ 31 - እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። 32 - ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። 33 - ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ ኣሎኹ።




11ይ ምዕራፍ

1 - ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።

2 - ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሀርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ። 3 - ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 4 - ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። 5 - ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። 6 - ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። 7 ፡ 8 - ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። 9 - ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። 10 - ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። 11 ፡ 12 - ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። 13 - እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ 14 - ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ 15 - ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። 16 - ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን።

17 - ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። 18 - ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። 19 - እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። 20 ፡ 21 - ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሃደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። 22 - እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንኣደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። 23 - ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዐለ፡ 24 - ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 25 - ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዐለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 26 - መለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። 27 - ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። 28 - ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። 29 - እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። 30 - በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። 31 - ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። 32 - ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ ኣሎና። 33 - ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ። 34 - ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ።




12ይ ምዕራፍ

1 - ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2 - ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 3 - ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ፡ የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል፡ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ።

4 - እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 5 - ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 6 - ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዚገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 7 - ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሀቦ እዩ። 8 - ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሀቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ 9 - ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሀቦ፡ 10 - ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሀቦ። 11 - እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዚደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዚገብሮ።

12 - ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። 13 - ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኣሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። 14 - እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ 15 - እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ 16 - እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ 17 - ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸ፧ 18 - ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። 19 - ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ ፧ 20 - ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። 21 - ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። 22 - እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። 23 - ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። 24 ፡ 25 - እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሀበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። 26 - ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ።

27 - እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። 28 - ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ። 29 - ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ 30 - ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ 31 - ነተን ዚዐብያ ውህበታት ደኣ ጽዐቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።




13ይ ምዕራፍ

1 - ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። 2 - ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። 3 - ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።

4 - ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን፡ 5 - ኣይተስተሐፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ 6 - ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። 7 - ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።

8 - ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዐር እዩ፡ 9 - ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። 10 - ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዐር እዩ። 11 - ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። 12 - ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። 13 - ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።




14ይ ምዕራፍ

1 - ንፍቕሪ ስዐብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። 2 - እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። 3 - እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሀንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ። 4 - ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሀንጽ፡ ትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሀንጽ። 5 - ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ ኣሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢ። 6 - ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ 7 ፡ 8 - እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሀየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍ፧ እቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሀየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ 9 - ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዐል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ 10 - ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን። 11 - እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ። 12 - ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። 13 ፡ 14 - ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። 15 - እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። 16 - እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧ 17 - ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሀንጸን። 18 - ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። 19 - ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ ኣሎኹ።

20 - ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። 21 - ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። 22 - ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚኣምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዚኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። 23 - ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተኣከበት፡ ኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ 24 - ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወ፡ ኲላቶም ይገንሕዎ፡ ኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። 25 - እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ።

26 - ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣለዎ፡ ምህሮ ኣለዎ፡ ራእይ ኣለዎ፡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ትርጉም ኣለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገብር። 27 - ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ። 28 - ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። 29 - ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። 30 - ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31 - ኲላቶም ምእንቲ ኺምሀሩ ዂላቶምውን ኪምዐዱስ፡ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። 32 ፡ 33 - ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።

34 - ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ። 35 - ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምህራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። 36 - ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔ፧ 37 - ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። 38 - እቲ ኺልላማጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ። 39 - ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። 40 - ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።




15ይ ምዕራፍ

1 ፡ 2 - ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም ኣሎኹ። 3 - እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ 4 - ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ 5 - ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ 6 - ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። 7 - ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። 8 - ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። 9 - ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። 10 - እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዐርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። 11 - እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም።

12 - ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ 13 - ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። 14 - ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። 15 - ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘየተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። 16 - ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ 17 - ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። 18 - እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። 19 - ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።

20 - ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። 21 - ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝምጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። 22 - ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። 23 - ግናኸ ነሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓሪ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። 24 ፡ 25 - ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። 26 - እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ። 27 - ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘን እቲ ኹሉ ንእኡ ዝግብኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ። 28 - ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።

29 - እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፡ 30 - ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ 31 - ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ። 32 - ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። 33 - ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። 34 - ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ።

35 - ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዝትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ። 36 - ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። 37 - እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። 38 - ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። 39 - ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይሁ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40 - ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። 41 - ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። 42 - ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። 43 - ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። 44 - ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። 45 - ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሱ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። 46 - ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47 - እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። 48 - ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። 49 - ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና።

50 - ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 51 - እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ 52 - ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 53 - ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። 54 - እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዕሪ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። 55 - ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ 56 - ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። 57 - ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 58 - ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።




16ይ ምዕራፍ

1 - ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። 2 - ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰለሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። 3 - ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። 4 - ኣነውን ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ። 5 - ብመቄዶንያ ኽሐልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሐለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 6 - ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። 7 - እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ጊዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። 8 ፡ 9 - ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።

10 - ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዐዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ኪኸውን ተጠንቀቑሉ። 11 - ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዐቆ። 12 - ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኺመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዐሞ ግና ኪመጽእ እዩ።

13 - ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። 14 - ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።

15 ፡ 16 - ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። 17 - ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ። 18 - ንመንፈስኩምን ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።

19 - እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20 - ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ።

21 - እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22 - ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ። 23 - ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24 - ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።


AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE br>