Tigrinya of Eritrea

John

ወንጌል ዮሐንስ 1

1 ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። 2 እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። 3 ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። 4 ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። 5 ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። 6 ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። 7 ኲሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። 8 ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። 9 እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። 10 ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶም። 11 ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። 12 ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብሱ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም። 13 ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካፍ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። 14 እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ዳ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። 15 ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። 16-17 ሕጊ ሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። 18 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሀዶ። 19 ኣይሁድ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፡ 20 ንሱውን፡ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። 21 ንሳቶም ድማ፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ድኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። 22 ሽዑ ንሳቶም፡ መን ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧ በልዎ። 23 ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። 24 እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። 25 ንሳቶም ከኣ፡ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣሎኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 26 ዮሃንስ ደማ፡ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ ኣሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። 27 እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ እየ፡ ኢሉ መለሰ። 28 እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕጾ ዮርዳኖስ ኰነ። 29 ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 30 እቲ ብዛዕባኡ፡ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። 31 ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። 32 ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስክረ። 33 እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። 34 ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። 35 ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። 36 ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 37 እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዐብዎ። 38 የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ረቢ፡ ትርጉሙ መምህር፡ ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ፧ በልዎ። 39 ንሱ፡ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዐሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። 40 ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። 41 ንሱ ቕድም ንሓው ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ ንመሲህ፡ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፡ ረኸብናዮ፡ በሎ። 42 ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፡ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፡ ክትብሀል ኢኻ፡ በሎ። 43 ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ሰዐበኒ፡ በሎ። 44 ፊልጶስ ከኣ ብዓል ሳይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። 45 ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እምኦ፡ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፋ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። 46 ናትናኤል ድማ፡ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፡ ንዓ ርኤ፡ በሎ። 47 የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፡ እንሆ፡ ጒርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። 48 ናትናኤል፡ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 49 ናትናኤል ድማ፡ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50 ዮሱስ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፡ ካብዚ ዚዐቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51 ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ።

ወንጌል ዮሐንስ 2

1 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። 2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዐደመ። 3 ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፡ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። 4 የሱስ ድማ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ፧ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ። 5 ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ንሱ ዚብለኩም ኲሉ ግበሩ፡ በለቶም። 6 ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኸሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዚግብእ እዩ። 7 የሱስ፡ ነዚ ኣጋንእን ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። 8 ሽዑ፡ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። 9 እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዐሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፡ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ 10 ኲሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። 11 የሱስ ነዚ መጀመርታ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ። 12 ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ። 13 ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 14 ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ። 15 ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዕርን ንዂሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። 16 ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፡ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። 17 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጽሑር ከም ዘሎ ዘክሩ። 18 ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። 19 የሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 20 እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ። 21 ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ። 22 ስለዚ ኸኣ ካብ ምዉታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። 23 ነቲ፡ ይሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። 24-25 የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።

ወንጌል ዮሐንስ 3

1 ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። 2 ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፡ ረቢ፡ ብጀካ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ በሎ። 3 የሱስ ድማ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4 ኒቆዲሞስ ከኣ፡ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይከኣሎ እዩ፧ በሎ። 5 የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። 6 ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። 7 ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። 8 ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። 9 ኒቆዲሞስ ከኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ። 10 የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢካ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ 11 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። 12 ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ 13 ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። 14-15 ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። 16 ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። 17 ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። 18 ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። 19 እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። 20 ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። 21 እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ። 22 ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። 23-24 ዮሃንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። 25 ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ። 26 ናብ ዮሃንስ መጺኦም፡ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኲሉ ኸኣ ናብኡ ይከይድ ኣሎ፡ በልዎ። 27 ዮሃንስ ከኣ መሉሱ በለ፡ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። 28 ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። 29 እቲ መሮዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። 30 ንሱ ኺዐቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። 31 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ። 32 ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር። 33 እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ። 34 ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር። 35 ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኲሉ ኣብ ኢዱ ሀቦ። 36 ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ንወዲ ዘይኣምን ግና ቊጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 4

1 ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡ 2 ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉ ኣየጥመቐን፡ 3 ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ። 4 ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ዀኖ። 5 ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሀቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸ። 6 ኣህኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ ኣሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። 7 ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ። 8 ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 9 ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣሎኻ፧ በለቶ። 10 የሱስ ድማ፡ ህያው ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሀበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ። 11 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቚ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧ 12 ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሀበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዐቢ ኢኻ፧ በለቶ። 13 የሱስ ድማ፡ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። 14 እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ። 15 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሀበኒ፡ በለቶ። 16 የሱስ ከኣ፡ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ። 17 እታ ሰበይቲ መሊሳ፡ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልኪ ቅኑዕ ተዛረብኪ። 18 ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዚስ ሓዊ ተዛረብኪ፡ በላ። 19 እታ ሰበይቲ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣሎኹ። 20 ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ። 21 የሱስ በላ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ኸም እትመጽእ፡ እመንኒ። 22 ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። 23-24 ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። 25 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶምስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኲሉ ኺነግረና እዩ፡ በለቶ። 26 የሱስ ከኣ፡ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ። 27 ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፡ እንታይ ትደሊ፧ ወይሲ፡ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ ኣሎኻ፧ ዝበሎ የልቦን። 28 እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፡ 29 ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም። 30 ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። 31 ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ። 32 ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ፡ በሎም። 33 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፡ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃህሉ። 34 የሱስ በሎም፡ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። 35 ንስኻትኩምዶ፡ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጸዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 36-37 ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዐጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። 38 ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዐርኩምሉ ኽትዐጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዐሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም። 39 ስለቲ እታ ሰበይቲ፡ ዝገብርክዎ ዘበለ ኣጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። 40 እቶም ሳምራውያንውን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለምንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዐለ። 41 ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ። 42 ነታ ሰበይቲውን፡ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምኻኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ። 43-44 ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸድ። 45 ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ። 46 የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ። 47 ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ። 48 ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኸም፡ በሎ። 49 እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ። 50 የሱስ ድማ፡ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ። 51 ኪወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ። 52 ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡ በልዎ። 53 ሾዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ። 54 የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣይ እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 5

1 ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2 ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤትሄስዳ ዚብሀል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። 3 ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። 4 እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። 5 ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። 6 የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። 7 እቲ ሕሙም ከኣ፡ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ። 8 የሱስ ከኣ፡ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ። 9 እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። 10 ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ። 11 ንሱ ግና፡ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። 12 ንሳቶም፡ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 13 እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። 14 ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፡ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ። 15 እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። 16 ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጒዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። 17 የሱስ ግና፡ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 18 ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። 19 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። 20 ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዂሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። 21 ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። 22-23 ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። 24 እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25 እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 26 ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትዐልዎ፡ ህይወት ሀቦ። 27 ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሀቦ። 28-29 ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። 30 ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። 31 ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ። 32 ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ ኣሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። 33 ንስኻትኩም ናይ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ። 34 እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን። 35 ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም። 36 ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሀበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዐቢ ምስክር ኣሎኒ። 37 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን። 38 በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን። 39 ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጽሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን ኣሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። 40 ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። 43 ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። 44 ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ኻብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፧ 45 ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸሰኩምሲ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ። 46 ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። 47 ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፧

ወንጌል ዮሐንስ 6

1 ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ከደ። 2 ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዐብዎ። 3 የሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ። 4 ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 5 ሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ፡ ንፊልጶስ፡ እዚኣቶም ምእቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ። 6 እቲ ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዚበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ። 7 ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቊራሳይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 8 ካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፡ 9 ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕሞ፧ በሎ። 10 የሱስ ከኣ፡ ኣቐምጥዎም፡ በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ ተቐመጡ፡ ቊጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዚኣኽሉ ነበሩ። 11 የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሀቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎም። 12 ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም። 13 ስለዚ ኣክብዎ፡ ተረፍ እቶም ዝበልዕ ኻብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኤ። 14 እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ። 15 የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ። 16 ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ። 17 ኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ። 18 እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ። 19 ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ፡ ርእዮምዎ ፈርሁ። 20 ንሱ ግና፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። 21 ሽዑ ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፡ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ምድሪ በጽሔት። 22 ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፡ 23 ግናኸ ኻልኦት ጃላቡ ኻብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኻ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ፡ 24 ሽዑ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃላቡ ኣትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። 25 ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፧ በልዎ። 26 የሱስ ድማ፡ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 27 ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትበሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 28 ስለዚ ንሳቶም፡ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። 29 የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም። 30 ስለዚ፡ ርኢና ኽንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር ኣሎኻ፧ 31 ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሀቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ። 32-33 ሽዑ የሱስ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ካብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሀበኩምሲ ሙሴ ኸምዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 34 ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ዂሉ ሳዕ ሀበና፡ በልዎ። 35 የሱስ በሎም፡ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ። 36 ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፡ ርኢኹምንስ ኣይኣመንኩምንን። 37 ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ። 38 ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። 39-40 ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሀበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። 41 ሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጒረምረሙ እሞ፡ 42 እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደኣ፡ ካብ ሰማይ ወረድኩ፡ ይብል ኣሎ፧ ይብሉ ነበሩ። 43 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ንሓድሕድኩም ኣይተጒረምርሙ። 44 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። 45 ኣብ ነብያትውን፡ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። 46 ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ። 47 እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48 እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። 49 ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። 50 ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። 51 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። 52 ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። 53 የሱስ በሎም፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኸምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 54 ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። 55 ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። 56 እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። 57 ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። 58 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። 59 ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። 60 ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። 61 የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፡ እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧ 62 ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ 63 መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። 64 የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምኻኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ 65 ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፡ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ዝበልኩኹም፡ በሎም። 66 ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን። 67 ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 68 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን ኦ ኽንከይድ፧ 69 ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። 70 የሱስ ከኣ፡ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፧ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 71 እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 7

1 ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ። 2 እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 3-5 ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፡ ባዕሉ ኺገሀድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግልጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ። 6 የሱስ ከኣ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ። 7 ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ። 8 ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም። 9 እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ። 10 እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሐቢኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን። 11 ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። 12 እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፡ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ። ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ። 13 ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን። 14 የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ። 15 ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ። 16 ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፡ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። 17 ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረቦ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ። 18 እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን። 19 ሙሴዶ ሕጊ ኣይሀበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 20 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ጋኔን ኣሎኻ፡ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧ ኢሎም መለሱሉ። 21 የሱስ ከኣ፡ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዂላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም። 22 ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፡ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እሞበር፡ ካብ ሙሴ ኣይኰነን፡ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ ኣሎኹም። 23 እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኲለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዂርዩለይ ኣሎኹም፧ 24 ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም። 25 ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ 26 እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊዕጦም ኰይኖም፧ 27 ግናኸ እዚ ኻበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ። 28 የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፡ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎም ኢኹም። 29 ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ። 30 ስለዚ ኪሕዝው ደለዩ። ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ ግና፡ ኢዱ ዘልዐለሉ የልቦን። 31 ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ። 32 ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጒረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላውኦም ለኣኹ። 33 ስለዚ የሱስ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ። 34 ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩም እዩ፡ በሎም። 35 ስለዚ ኣይሁድ፡ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ክምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧ 36 ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዚብሎ ቓል እንታይ እዩ፧ ተባሃሀሉ። 37 በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፡ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። 38 ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። 39 የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ። 40 ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፡ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ። 41 ካልኦትውን፡ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፡ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧ 42 እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤትልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፧ በሉ። 43 ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ። 44 ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዐለሉ ግና የልቦን። 45 እቶም ገላው ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም። 46 እቶም ገላዉ፡ ከምዚ ሰብኣይ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን፡ ኢሎም መለሱ። 47 ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ 48 ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ፧ 49 እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 50 ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፡ 51 ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዔ እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም። 52 ንሳቶም፡ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ። 53 ኲሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።

ወንጌል ዮሐንስ 8

1 የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ። 2 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። 3 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፡ 4 መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተታሒዛ። 5 ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ። ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። 6 መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። 7 ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። 8 ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። 9 ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኲሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። 10 የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረኣየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ዝፈረደኪዶ የልቦን፧ በላ። 11 ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ። 12 ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም። 13 ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር ኣሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ። 14 የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም። 15 ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ ኣይፈርድን እየ። 16 ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ። 17 ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ ኣሎ። 18 ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ ኣሎ። 19 ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ። 20 የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔ፡ ዝሐዞ የልቦን። 21 ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ኣነ እኸይድ ኣሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም። 22 ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ባዕሉ ኪቐትላ ኢሉ፧ በሉ። 23 ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። 24 ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። 25 ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ። 26 ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር ኣሎኹ፡ በሎም። 27 ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን። 28 ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም። 29 እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኲሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም። 30 ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። 31 ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። 32 ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። 33 ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ንተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እት ብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ መለሰሎም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ። 35 ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዂሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዂሉ ጊዜ ይነብር እዩ። 36 ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። 37 ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም። 38 ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝርኤኽዎ እዛረብ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም። 39 ንሳቶም፡ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 40 ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። 41 ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፡ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ፡ በልዎ። 42 የሱስ በሎም፡ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። 43 ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። 44 ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። 45 ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን። 46 ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ 47 እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ። 48 ኣይሁድ ከኣ፡ ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለሱሉ። 49 ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ ኣሎኹም። 50 ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደሊን ዝፈርድን ግና ኣሎ። 51 ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 52 ኣይሁድ ድማ፡ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፡ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ፡ ትብል ኣሎኻ። 53 ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዐቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ ኣሎኻ፧ በልዎ። 54 የሱስ ከኣ፡ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። 55 ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እሮአ። 56 ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 57 ኣይሁድ ከኣ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። 58 የሱስ ከኣ፡ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከምዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 59 ስለዚ ኺድርብዪሉ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ።

ወንጌል ዮሐንስ 9

1 ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። 2 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 3 የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሀድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። 4 መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዐየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ። 5 ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 6 እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፍውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ለኸየ እሞ፡ 7 ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆምትርጓሜኡ ልኡኽ፡ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ። 8 ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። 9 ገሊኦም፡ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና። ኣነባ እየ፡ በለ። 10 ስለዚ ንሳቶም፡ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፧ በልዎ። 11 ንሱ ኸኣ፡ እቲ የሱስ ዚብሀል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸየ፡ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 12 እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፈልጥን፡ በሎም። 13 ነቲ ቕድም ዕውር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። 14 እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት። 15 ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም። 16 ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፡ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይኽእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ። 17 ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕውር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነብዪ እዩ፡ በለ። 18 እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዕ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፡ 19 እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም። 20 እቶም ወለዱ ድማ፡ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። 21 ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። 22 ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስክረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪሰጒዎ ሐጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። 23 ስለዚ እቶም ወለዱ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ። 24 ሽዑ ነቲ ዕውር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሀብ፡ በልዎ። 25 ሽዑ ንሱ መሊሱ፡ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። 26 ሽዑ ንሳቶም፡ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። 27 ንሱ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 28 ጸረፍዎ እሞ፡ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። 29 ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። 30 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። 31 ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና። 32 ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። 33 እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 34 ንሳቶም ከኣ፡ ንስኻ ዂለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና ኣሎኻ፧ ኢሎም መለሱሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ። 35 የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። 36 ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። 37 የሱስ ድማ፡ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። 38 ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። 39 የሱስ ድማ፡ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። 40 ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፡ ንሕናኸ ዕውራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። 41 የሱስ ድማ፡ ዕውራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጥኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ንርኢ ኣሎና፡ ትብሉ ኣሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም

ወንጌል ዮሐንስ 10

1 እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኲር፡ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 2 እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3 ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዕ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። 4 ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፈረን ድማ፡ ቀቅድሚኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። 5 ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። 6 የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዐልዎን። 7 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፡ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 8 እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9 እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። 10 ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። 11 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። 12 እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዂላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሀድም። እቲ ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። 13 ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሀድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። 14 ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። 15 ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። 16 ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ። 17 ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18 ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። 19 ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። 20 ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፡ ጋኔን ሒዝዎ ይዐብድ ኣሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እትሰምዕዎ፧ በሉ 21 ካልኦት ግና፡ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኸፍት ይከኣሎ እዩ፧ በሉ። 22 ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ። 23 የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። 24 ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፡ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ። 25 የሱስ መለሰሎም፡ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ ኣሎ። 26 ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም። ኣይትኣምኑን ኢኹም። 27 እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። 28 ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። 29 እቲ ንኣታተን ዝሀበኒ ኣቦይ ካብ ኲሉ ይዐቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። 30 ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና። 31 ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዐሉ። 32 የሱስ ኸኣ፡ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 33 ኣይሁድ ከኣ፡ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ነፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ መለሰሎም፡ ኣብ ሕግኹም፡ ኣነ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ 35 ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፡ 36 ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ ትጻረፍ ኣሎኻ፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ 37 ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። 38 እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ። 39 መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ። 40 ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። 41 ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፡ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዂሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ። 42 ኣብአውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።

ወንጌል ዮሐንስ 11

1 ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ። 2 ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ። 3 ስለዚ እተን ኣሓቱ፡ ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሓሚሙ ኣሎ፡ ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ። 4 የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ። 5 የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ። 6 ምሕማሙ ምስ ሰምዔ፡ ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዐለ። 7 ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም። 8 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧ በልዎ። 9 የሱስ ከኣ፡ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን። 10 እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዜብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 11 እዚ ተዛረበ፡ ድሕርዚ ድማ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም። 12 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፡ ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ፡ በልዎ። 13 የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። 14 ሽዑ የሱስ ብግህዶ፡ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ 15 ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም። 16 ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቱ፡ ንሕናውንከ ምእሱ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም። 17 ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። 18 ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ። 19 ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። 20 ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። 21 ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ 22 ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። 23 የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ። 24 ማርታ ድማ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። 25 የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣመነስ እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። 26 ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። 27 ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣሎኹ፡ በለቶ። 28 እዚ ኢላ ኸደት፡ ንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላ፡ መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን ኣሎ፡ ኢላ ጸውዓታ። 29 ንሳ እዚ ምስ ሰምዔት፡ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ናብኡውን ከደት። 30 የሱስ ኣብታ ማርታ እተቐበለቶ ስፍራ ጸንሔ እምበር፡ ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ። 31 እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ማላን ምውጽኣን ርእዮም፡ ናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዐብዋ። 32 ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ። 33 ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ፡ 34 ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ በልዎ። 35 የሱስ ነብዔ።። 36 ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዮ፡ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ። 37 ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ። 38 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘ፡ ናብቲ መቓብርውን መጸ፡ እዚ ግና ብእምኒ እተዐጽወ በዓቲ እዩ፡ 39 የሱስ፡ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ። 40 የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ። 41 ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዐልዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 42 እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኲሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለ። 43 እዚ ምስ በለ፡ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። 44 እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጒኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም። 45 ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ ኣመኑ። 46 ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶ፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። 47 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ 48 ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኲሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ። 49 ሓደ ኻባታቶም ቀያፊ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ 50 ኲሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእስ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም። 51 በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነበዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። 52 ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን። 53 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ። 54 ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ፡ ኤፍሬም ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን። ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ። 55 ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 56 ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶም፡ እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሀሉ። 57 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብረሎም ኣዘዙ።

ወንጌል ዮሐንስ 12

1 ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ። 2 ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ። 3 ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት። 4 ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦም ግና፡ 5 እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧ በለ። 6 እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፋዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ። 7-8 ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ። 9 ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላው ፈሊጦም፡ መጹ። ነቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ። 10-11 ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። 12 ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ቡዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዑ፡ 13 ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ። 14-15 ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ። 16 ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዐልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሐ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ። 17 እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።። 18 ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ። 19 ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ፡ ተባሃሀሉ። 20 ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ። 21 ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ ብዓል ቤተሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርዮ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም ለመንዎ። 22 ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ። 23 የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ። 24 ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25 ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ። 26 ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዐበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። 27 ሕጅስ ነፍሰይ ጒህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንትዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ። 28 ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ ኣሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። 29 ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፡ ነጒዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፡ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ። 30 የሱስ መሊሱ በሎም፡ እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን። 31 ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛእ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ። 32 ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዂሉ ናባይ ክስሕቦ እየ። 33 ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ። 34 ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለሱሉ። 35 ሽዑ የሱስ፡ ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። 36 ደቂ ብርሃን ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ። 37-38 እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ? ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደ? ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። 39-40 ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምንሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ። 41 ኢሳይያስ ክብረቱ ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ። 42-43 ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይስጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሀዱን። 44 የሱስ ግና ጨደረ በለውን፡ ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን። 45 ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ። 46 እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ ኣሎኹ። 47 ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። 48-50 ኣነስ፡ እቲ ኣለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

ወንጌል ዮሐንስ 13

1 የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። 2 ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። 3 የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዂሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሀቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡ 4 ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዐጥቀ። 5 ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛምርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዐጥቀ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀሚሩ። 6 ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣኣጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፡ በሎ። 7 የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ። 8 ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሓጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ። 9 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ። 10 የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሓጽበ፡ ኩለንተናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ ኲላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ። 11 ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኲላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ። 12 ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሐጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩምልሲ ትፈልጥዎዶ ኣሎኹም፡ በሎም። 13 ንስኻትኩም መምርህን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። 14-15 ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። 16 ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 17 ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም። 18 ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ። 19 ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣሎኹ። 20 ነቲ ዝለአኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 21 የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጉህዩ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ፡ ኢሉ መስከረ። 22 እቶም ደቀመዛምርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። 23 ካብ ደቀ መዛምርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ። 24 ንዕኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከምዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ። 25 እቲ ኣብ ኣፍልቢ የሱስ ተጐዝጒዙ ዘሎ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፡ በሎ። 26 የሱስ ከኣ፡ እቲ ኣነ ቑራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ከኣ ቊራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆርታዊ ሀቦ። 27 ድሕሪ እታ ቚራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ። 28 ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን። 29 ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፡ ንበዓል እንደልዮ ዐድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሀብ፡ ዝበሎ መሲልዎም ነበረ። 30 ንሱ ግና ነታ ቚራስ እንጌራ ምስ ተቐበላ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ። 31 ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፡ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ። 32 ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ። 33 ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም ኣሎኹ። 34 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። 35 ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኲሉ ኺፈልጥ እዩ። 36 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ድማ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 37 ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይኑ፧ ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ። 38 የሱስ ከኣ፡ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፧ ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትኽሕደኒስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።

ወንጌል ዮሐንስ 14

1 ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። 2 ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ፡ 3 ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። 4 ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኸም። 5 ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧ በሎ። 6 የሱስ ከኣ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። 7 ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈልጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን ኣሎኹም፡ በሎ። 8 ፊልጶስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ። 9 የሱስ በሎ፡ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፡ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል ኣሎኻ፧ 10 ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹን ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። 11 ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ። 12 ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዐቢውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 13 ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልኩም እየ። 14 ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ። 15 እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። 16 ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ 17 ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። 18 ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 19 ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። 21 እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። 22 እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፡ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ። 23 የሱስ ከኣ፡ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። 24 እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። 25 ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም። 26 እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዂሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። 27 ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን። 28 ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። 29 ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም ኣሎኹ። 30 ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። 31 ግናኸ ኣነ ነቦ ኸምዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን ኣሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ።

ወንጌል ዮሐንስ 15

1 ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኣ ኸኣ ኣቦይ እዩ። 2 ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። 3 ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኸም። 4 ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጒንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። 5 እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። 6 ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7 ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። 8 ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኺም። 9 ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። 10 ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። 11 ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። 12 ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። 13 ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን። 14 ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዂሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። 15 እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። 16 ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። 17 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም ኣሎኹ። 18 ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኩም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። 19 ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። 20 ነቲ፡ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሐልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። 21 ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዂሉ ኺገብሩኹም እዮም። 22 ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን። 23 እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። 24 ካልእ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። 25 እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፡ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝኸነ። 26 እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ። 27 ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።

ወንጌል ዮሐንስ 16

1 ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም። 2 ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። 3 ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኺገብሩኹም፡ እዮም። 4 ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። 5 ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን። 6 እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ። 7 ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞዕ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። 8 ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ። 9 ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ። 10 ብዛዕባ ጽድቂ፡ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን። 11 ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ። 12 ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ግና ኣሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 13 እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኲሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። 14 ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ። 15 እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዂሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፡ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ። 16 ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። 17 ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፡ እዚ፡ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተባሃህሉ። 18 ስለዚ፡ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ። 19 የሱስ ከኣ ኪሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ ኣሎኹም፧ 20 ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ናህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጒህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 21 ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጒሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጒሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ። 22 እምብኣርከ ንስኻትኩኩምውን ሎሚ ጓሂ ኣሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን። 23 በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዂሉ ኸም ዚህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24 ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም። 25 እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። 26-27 በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ። 28 ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሐዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ። 29 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ ኣሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን። 30 ኲሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን ኣሎና፡ በልዎ። 31 የሱስ ከኣ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧ 32 እንሆ፡ ኲላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረዉላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን። 33 ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

ወንጌል ዮሐንስ 17

1-2 የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፡ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዂላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ። 3 ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ። 4 ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። 5 ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። 6 ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒ፡ ቃልካውን ሐለዉ። 7 እቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዂሉ ኻባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ። 8 እቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ። 9 ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ናትኻ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። 10 ኲሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ። 11 ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም። 12 ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከለኹ፡ ብስምካ ሐሎኽዎም፡ ነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን። 13 ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣሎኹ። 14 ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። 15 ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። 16 ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። 17 በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ። 18 ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፡ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። 19 ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኺቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ ኣሎኹ። 20 ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። 21 ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኲላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣሎኹ። 22-23 ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ - ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ - ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። 24 ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ን ሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ ኣሎኹ። 25 ጻድቕ ኣቦይ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። 26 እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።

ወንጌል ዮሐንስ 18

1 የሱስ እዚ ኢሉ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን፡ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ። 2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። 3 ይሁዳ ነቶም ጥፍራ ሮማውያንን ንገላው ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ መጸ። 4 ሽዑ የሱስ ዝመጾ ዘሎ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 5 ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ። 6 ሽዑ፡ ኣነ እየ ምስ በሎም፡ ኣድሐርሓሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ። 7 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ንየሱስ ናዝራዊ፡ በሉ። 8-9 እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። 10 ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ። 11 የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፡ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነቲ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፧ በሎ። 12 ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። 13 ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፊ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ። 14 ቀያፊ ኸኣ እቲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ። 15 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ። 16 ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዓጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። 17 ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዓጻዊት ደገ፡ ንጴጥሮስ፡ ንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ በለ። 18 ብዙሕ ቊሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላዉን ሓቂ ኣጒሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። 19 ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶ። 20 የሱስ ከኣ፡ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረባ፡ ኲሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። 21 ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ ኣሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ። 22 እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላዉ ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንሊቀ ኻህናትዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ ኣሎኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ። 23 የሱስ ከኣ፡ ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 24 ሃና ከኣ፡ ናብ ቀያፊ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ። 25 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ስለዚ፡ ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ። 26 ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ኻህናት ሓደ፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ፡ ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ። 27 ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደ፡ ብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ። 28 ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፊ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን። 29 ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ ኣሎኹም፧ በሎም። 30 ንሳቶም፡ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለሱሉ። 31-32 ሽዑ ጲላጦስ፡ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፡ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን፡ በልዎ። 33 ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ፡ ንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ በሎ። 34 የሱስ ድማ፡ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፧ ኢሉ መለሰ። 35 ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናት ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 36 የሱስ ከኣ፡ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን፡ ኢሉ መለሰ። 37 ጲላጦስ ድማ፡ እምብኣርስከ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ዂሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 38 ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩ፧ በሎ። እዚ ኢሉ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ 39 ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ ኣሎኩም። እምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧ በሎም። 40 ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፡ ንበርባን ደኣ እምበር፡ ን አዝስ ኣይኰነን፡ በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።

ወንጌል ዮሐንስ 19

1 ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ። 2 እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ። 3 መመጺኦም ከኣ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ። 4 ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 5 ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾዂ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፡ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም። 6 ሊቃውንቲ ኻህናትን እቶም ገላዉን ምስ ረኣይዎ፡ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም። 7 ኣይሁድ ከኣ፡ ንሕና ሕጊ ኣሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩይ፡ ኢሎም መለሱሉ። 8 ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ። 9 ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን። 10 ጲላጦስ ከኣ፡ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ። 11 የሱስ ከኣ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሐዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 12 ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፡ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዂሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። 13 ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14 ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፡ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም። 15 ሽዑ ንሳቶም፡ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፡ ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ። 16 ሽዑ ኺስቐል ኣሕሊፉ ሀቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ። 17 መስቀሉ ጸይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ። 18 ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም። 19 ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ። 20 እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈቱ ኸኣ ብቛንቋ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ። 21 ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ። 22 ጲላጦስ፡ ዝጸሐፍክዎ ጽሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ። 23 እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ነንሓድ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዂለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። 24 ንሓድሕዶም ከኣ፡ ንዝበጽሔ ኺበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃህሉ። እቲ፡ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕጭ ተዋደቑሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ። 25 ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀልዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ። 26 የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወዲ መጽሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። 27 ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፡ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። 28 ድሕርዚ የሱስ ኲሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ጸማእኩ፡ በለ። 29 ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። 30 የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዐመ፡ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት። 31 ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ኽብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዂልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32 ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዂልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33 ናብ የሱስ መ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝዓረፈ ርእዮም፡ መሓዂልቱ አይሰበርዎን። 34 ሓደ ኻብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። 35 እቲ ዝረኣየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ ኣሎ። 36 እቲ፡ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ። 37 ካልእ ጽሑፍውን፡ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ። 38 ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ። 39 እቲ ቕድሚ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ። 40 ንስጋ የሱስ ወስዲ፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ። 41 ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ። 42 እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።

ወንጌል ዮሐንስ 20

1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ ኣምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። 2 ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፡ ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም። 3 ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ። 4 ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ። 5 ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረኣየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን። 6 ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ። 7 እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን። 8-9 ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግን ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ። 10 ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ። 11 ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ 12 ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ኸኣ ብትርጋጽ፡ ረኣየት። 13 ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። 14 እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። 15 የሱስ ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ ኣሎኸ፧ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። 16 የሱስ ከኣ፡ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፡ ረቡኒ፡ በለቶ፡ ትርጒሙ መምህረይ ማለት እዩ። 17 የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ ኣሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። 18 ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም። 19 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርህዎም፡ መዓጹ ተሸጒሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 20 እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሐጐሱ። 21 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 22 እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ 23 ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። 24 እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን። 25 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም። 26 ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩ፡ ቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጒሩ ኸሎ፡ የሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 27 ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይ ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ኣእትዋ። ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። 28 ቶማስ መሊሱ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። 29 የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርብኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ። 30 የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። 31 ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።

ወንጌል ዮሐንስ 21

1 ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፡ 2 ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቂ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ። 3 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን። 4 ምድሪ ምስ ወግሔ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን። 5 የሱስ ከኣ፡ ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፡ የብልናን፡ ኢሎም መለሱሉ። 6 ንሱ ኸኣ፡ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። 7 እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፡ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐቡዎ፡ ብጃልባ መጹ። 9 ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ። 10 የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም። 11 ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ኣትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን። 12 የሱስ ድማ፡ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን። 13 የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ። 14 የሱስ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳልይ ጊዜኡ እዩ። 15 ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ዕያውተይ ኣብሎዕ፡ በሎ። 16 ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፡ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ። 17 ሳልሳይ ድማ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፡ ስለ ዝበሎ፡ ጒህዩ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ዂሉ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣባጊዔይ ኣብልዕ። 18 ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 19 ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። 20 ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወዲ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፡ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ፡ ዝበሎ እዩ። 21 ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፡ በሎጅ። 22 የሱስ ከኣ፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ። 23 ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፡ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን። 24 እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወደ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና። 25 የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኲሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዂላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።





AMAZING GRACE BIBLE INSTITUTE